ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኦነግ ሸኔ ብዝተኻየደ ቶክሲ 3 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከባቢ ኣርጡማ ፋርሲ ምስ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ብዝተኻየደ ቶኽሲ 3ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣማሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣሕመድ ሓሰን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቲ ቶኽሲ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝተኻየደን ክልተ ኣባላት ኦነግ ሸኔን ሓደ ኣባልፖሊስን ከምዝሞቱን ክልተ ኣባላት ሸኔ እውን ከምዝተማረኹን እቶም ኣማሓዳሪ ገሊፆም።

እቶም ኣማሓዳሪዝተጀመረ ናይ ሰላም ምርግጋፅ ስራሕ አሓይሉ ከምዝቕፅል ገሊፆም:: ካብ ኦነግ ሸኔ መልሲ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን ምላሽ ምስ ረኸብና ከንሕብር ኢና።

XS
SM
MD
LG