ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኣል ሸባብን ነበርቲ ማእኸላይ ዞባ ሶማልን ብዝተኻየደ ውግእ 10 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ኣል ሸባብን ዕጡቓት ነበርቲ ማእኸላይ ዞባ ሶማል ብዝተኻየደ ውግእ ብውሑዱ 10 ሰባት ምሟቶም መሰኻኽርን ሰበስልጣንን ገሊፆም።

እቲ ናይ ሎሚ ረቡዕ ውግእ ዝጀመረ ነቲ ከባቢ ዝቆፃፀሩ ብከቢድ ዝተዓጠቑ ወታሃደራት ኣል ሸባብ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻበለው ግብሪ ንምፅዓን ኣብዝፈተንሉ እዋን እዩ።

መራሒ ናይታ ገጠር ዓዲ መሓመድ ኢብራሂምበቲ ውግእ ሸሞንተ ነበርትን ገለ ዕጡቓት ኣል ሸባብን ምሟቶም ገሊጾም ኣለው ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG