ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወላይታ ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


አቶ ርስቱ ይርዳው
አቶ ርስቱ ይርዳው

ኣብ ወላይታ ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ከምዝሞቱን ብዝሖም ዘይተፈልጠ ካልኦት ከምዝተጎድኡን ምክትል ምምሕዳር’ቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ገሊጾም።

ኣቶ ርስቱ ወሲኾም ‘ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝሰርሑ ኣካላት ተመሳጢሮም’ ዝተባሃሉ ንኣመራርሓ’ቲ ዞባ ወሲኹ 26 ሰባት ከምዝተኣሰሩ’ውን ጠቂሶም።

‘መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ሰላማዊን ሕገ መንግስታዊን መልሲ ንምሃብ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከሎ ዝተኸሰተ ነገር ከምዘሕዘኖም’ ንናይቲ ክልል ሚድያ ገሊጾም።

ነበርቲ’ቲ ዞባ ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ‘ዝተኣሰሩ መናእሰያትን መራሕትናን ይፈትሑ’ ኢሎም ዝተላዓለ ተቃውሞ ስዒቡ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ግጭት ተፈጢሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተጎዲኦም ኣስታት ዓሰርተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ምግላጾም ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ክልላዊ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምእሳር ኣመራርሓ ዞባ ወላይታ አመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ኣመራርሓ፣ ምስ ህወሓትን ኦኔግ-ሸኔን ተሓባቢሮም ውዲት ጥፍኣት ይፍሕሱ ዝነበሩ’ዮም’ ከምዝበለ ተፈሊጡ።

ንክልል ትግራይ የመሓድር ዘሎ ህወሓት ብወገኑ ‘ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ምስ ኣበዮም ኣንፈቱ ንምቕያር ዝገብርዎ ፃዕሪ እዩ፣ ህዝቢ ግና ስለዝፈለጦም ከታልልዎ ኣይኽእሉን’ ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG