ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓወምቲ መንገድታትን መጓዓዝያን ከምዝዓጸዉ ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓወምቲ መንገድታትን መጓዓዝያን ከምዝዓጸዉ ወኪላት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረብዎም ተቓወምቲ ሓቢሮም። እቲ ተቓውሞታት ኣብ ከተማታት ኣዳማ፥ዞባ ባሌ፥ ሻሸመኔ፡ ሃረር፥ ኣወዳይ ከምኡ`ውን ካልኦት ከባብታት ከምዝተራእየ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ገለ ስጉምትታት ከምዝነበረ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። እቶም ተቓወምቲ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ዘይምርግጋእን ዝተኣስሩ መራሕቲ ፖለቲካን ምላሽ ዝሓቱ ምዃኖም`ውን ካብ ወኪልና ንምርድእ ተኻኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG