ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 20 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም


ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ኮንሶ ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መንበሪኦምን ዝተመዛበሉ 20 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ሽሞም ከይግለፅ ዝሓተቱ እዞም ዜጋታት ኣብ ፀገምን ስቓይን ምውዳቖም ብምግላፅ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ዞባ ኮንሶ ሩባ ሰጊሮም ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወይጦ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

በቲ ግጭት ብዝሒዝተመዛበሉ ሰባት ኣስታት 20,000 ከምዝበጽሕን ናይቲ ዞባ ናይ ሰላምን ፀጥታን ሓላፊ ኣቶ ሓሰን ገሊፆም።

ናይ ደቡብ ክልል ኮሚሽነር ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓ ኣቶ ጋንታ ጋሩማ ግጭት ንምርግጋእ ይስራሕ ከምዘሎን ሓገዝ ንምግባር ዝወረደ ጉድኣት ዘፅንዕ ሓደ ግብረ ሓይሊ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብሰንኪ ዘቑፀረ ግጭት ካብ ብክልቲኡ ወገን 16 ሰባት ከምዝሞቱ ሓለፍቲ ምምሕዳር ናይቶም ከባቢታት ገሊፆም ።

ብካልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ዕጡቓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ህይወት 14 ስቪላት ምጥፍኡን ካልኦት 6 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊመንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቶም ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ዓሌት ዒላማ ዝገበረ እዩ ኢሎም ኣለው።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ ንዝተረኸበ ዓወት ዝዕንቅፉ ተለኣኣኽቲ ግብፅን ህወሓትን ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG