ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ን23 መዓልታት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳግም ጀሚሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ን23 መዓልታት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳግም ጀሚሩ::

ቅድሚ 23 መዓልታት ቅትለት ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ ጸኒሑ:: ካብ ሎሚ ረፋድ ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብብሮድባንድን ብተወሳኺ እውን ብሞባይል ዳታ ዳግም ጀሚሩ’ሎ::

ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ዳግም ተኸፊቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ:: ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ: ጅግጅጋ: አዳማ: ባህርዳርን ሃዋሳን ኢንተርኔት ከምዝተኸፈተ ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊፂና ኣለና:: ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኢንተርኔት ብብሮድባንድ ምጅማሩ ይዝከር:: ከም ፌስቡክ ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ግን ሕጂ’ውን ብቪፒን ጥራሕ ይሰርሑ ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ'ሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG