ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ቀዳማይ መድረኽ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም


ቀዳማይ መድረኽ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሸትኡ ምውቅዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ረቡዕ ገሊፆም።

4.6 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢዝተገብረሉ'ቲ ግድብ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ እዩ ክኸውን: ኣብ 2023 ብምሉእ ዓቕሙ ስራሕ ክጅምር ከሎ 6,000 ሜጋዋት ሓይሊ መብራህቲ ከመንጭው ትፅቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መገልፂኦም "ንዝኾነ ይኹን ወገን ከይረበሽናን ከይጎዳእናን ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ብዓወት ዛዚምና ኣለና።ሕጂ እቲ ግድብ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ’’ ኢሎም ።

እዚ ዝግለፅ ዘሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብርሕቐት ወይ ድማ ብቨርቺዋል ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ግድብ ንምዝርራብ ድሕሪ ምስምምዖም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

XS
SM
MD
LG