ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጥረ ሁከት ልዕሊ 1,000 መንበሪ ኣባይትን ልዕሊ 240 መካይን ምዕናዎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጥረ ሁከት ልዕሊ 1,000 መንበሪ ኣባይትን ልዕሊ 240 መካይን ምዕናዎም ናይቲ ክልል ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ንሶምኣብ ክልል ኦሮሚያ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦሮሚያ ዞባታትን ወረዳታትን ዝወረደ ዕንወት ንብረት ንምቁፃር ከምዝፈተኑ ሓቢሮም።ኣስታት 523 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ኣስታት 499 ዝኾኑ ድማ ከምዝተሰባበሩ ገሊፆም።ኣስታት 195 ሆቴላት ከምዝተቓፀሉን 32 ሆቴላት ድማ ዝተሰባበሩ እዮም ኢሎም።ሽዱሽተ ናኣሽቱን ማእኸለዎትን ፋብሪካታት ተቓፂሎም 104 ናይ መንግስቲ ኣብያተ ፀሕፈት እውን ነዲዶም።ኣስታት 273 ናይ ውልቂ መኪናታትን 232 ናይ ንግዲ ሹቓት ምቅፃሎም ብሓፈሻ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ሓቢሮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG