ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮምና ክብሉ ቤተሰብን ኣባላት ኦነግን ኦፌኮን ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ከተማ ሆለታን ኣብ ዞባ ወለጋ ዞባ ሆሮ ጉዱሩን ብድምር ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮምና ክብሉ ቤተሰብን ኣባላት ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ግን ዝተኣስሩ ሰባት ብዝገበርዎ ገበን`ምበር ንቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ዘውግዝ ሰልፊ ብምስታፎም ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቡ`ሎ።

ወሃቢ ቃል-ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፥ ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ከተማታት ምዕራብ ወለጋ ጉድኣት እንተዘይወረደ`ኳ፥ ዕንወት ንምውራድ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ውልቀሰባት ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ`ሎ ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG