ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ ሊብያ ዘለው መዳጎኒ ማእከላት ክዕጸው ጸዊዖም


ፋይል
ፋይል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍራንሰስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ናይ ሊቢያ መዳጎኒ ማእኸላት ሲኦላዊ ዝኾነ ናብራ ይነብሩ ኣለው ክብሉ ሎሚ ረቡዕ ገሊፆም።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ንመበል ሻውዓይ ዓመት ዝኽሪ ናብ ላምፓዱሳ ተጓዒዞም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ "ኣብኡ ዘሎ፣ኣብቶም መዳጎኒ ካምፕታት ዘሎ ገሃነብ ክትሓስቦ እውን ዘይክኣል እዩ’’ ኢሎም ። ንሶም እቶም ካምፕታት ንክዕፀው’ ውን ፀዊዖም።

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝርከቡ ገሊኦም ብዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ዝውነኑ ኣስታት 20 መዳጎኒ ማእኸላት ፆታዊ ዓመፅ፣መስቀይቲ፣ግዱድ ስራሕን ብሰፊሕ ከምዝፍፀም ይገልፁ።

ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ዝውነኑ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ መዳጎኒ ማእኸላት ከምዘለው እውን ሕቡራት ሃገራት ምሕባሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG