ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ቻይና ንመንግስቲ ኣሜሪካ፥ ብኣተሓሕዛ ጸረ-ዓሌት ተቓውሞታት ይነቕፉ


ሰበ-ስልጣን ቻይና ንመንግስቲ ኣሜሪካ፥ ብኣተሓሕዛ ጸረ-ዓሌት ተቓውሞታት ብምንቃፍ ንዲፕሎማቲክ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ዝያዳ የንህርዎ`ለዉ።

ሰበ-ስልጣን ቻይና ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዕግርግር ምስቲ ኣብ ሆንግ-ኮንግ ዝነበረ ደገፍ-ዲሞክራሲ ሰልፍታት ብምውድዳር፥ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ፍልልይ ፡ "ሕዱር ማሕበራዊ ሕማም`ዩ" ኢሎሞ።

ቻይና ኣብ ሆንግ-ኮንግ-ፖለቲካውን ናይ ምዝራብን ናጽነት ዝድርት ፥ሓዲሽ ሕጊ-ሃገራዊ ጸጥታ፥ ኣውጺኣ`ላ- ኣሜሪካ ድማ ነቲ ሕጊ ምኹናና ይዝከር።

ቻይና ንኣሜሪካ ብክልተ መዐቀኒ ትኸሳ- ግን ቻይና-ኣብ ልዕሊ ኣንጻር መንግስቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ተሪር ቁጽጽር ብምክያድ ድማ ትኽሰስ።

ሕጂ ግን ሞት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፥ ቻይና ንመሰል ውሑዳን ጸለምቲ ክትጉስጉስ ጌርዋ`ሎ።

XS
SM
MD
LG