ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 968 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,015 ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ ላብራቶሪ 137 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞም ተረጋጊፁ።እቶም በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ 109: ኣብ ክልል ኣምሓራ 1 ኣብ ክልል ኦሮሚያ 8: ኣብ ክልል ቤንሻንጉል 2: ኣብ ዓፋር 1 ሓደ ምዃኖም ተፈሊጡ።ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ሰባት 968 በፂሑ ኣሎ።ብዝሒ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝስኣኑ ናብ ሸሞንተ ክብ ኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብዘዋስን ከባቢ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰባት ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘጋድድ ስለዝኾነ ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ክገብር ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሓቲቱ።

ብፍላይ ምስ ሱዳን ኣብዘዋስን ከተማ መተማ ወረዳ 19 ናይ መውፅኢን መእተውን በርታት ብምህላዎም ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢትዮጵያዊያንን ናይ ወፃኢ ዜጋታትን ምቁፅፃር ዘተሓሳስብ እናኾነ ምምፅኡ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ነቲ ቫይረስ ምቁፅፃር ከቢድ ከምዝገበሮ ምኽትል ኣማሓዳሪን ኣቦ መንበር ግብሪ ሓይሊ ቫይረስኮሮናን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፈንታ ማንደፍሮ ገሊፆም ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ናይ ቫይረስኮሮና ግብረሓይሊ ኣብታ ከተማ ምሻጥ ይኹን ምጥቃም ጫት ከልኪሉ።ነቲ ትእዛዝ ብምጥሓስ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ብር ዘውፅእ ጫት ክቃፀል ድማ ተገይሩ።

ይኹን ደአ እምበር እቲ ስጉምቲ ድጋፍን ተቓውሞን ምስዓቡ ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG