ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ዮንግለይ ብዝተፈጥረ ጎንጺ 200 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዮንግለይ ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ቅነ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ጎንጺ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ተቀቲሎም ኣስታት 300 ካልኦት ድማ ከምዝቆሰሉ ተፈሊጡ።

ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢ ከምዝበልዎ ‘መናእሰይ ዕጡቃት ምምሕዳር ፒቦር ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ቁሸታት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ’ ጠቂሶም።

እቶም ዩኒፎርም ሰራዊት ዝለበሱ መናእሰይ ነተን ገጠራት ወሪሮም ከምዘቃጸልወን ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሳልቫኬር ነቲ ዝጸንሐን 32 ክፍላተ ሃገራትን ዝሓቆፈ ካርታ ድሕሪ ምቅያሮም ፖለቲካዊ ወሰናት ደቡብ ሱዳን ከምዝተለወጠ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG