ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ንፈለማ ግዜ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም


መቐለ
መቐለ

ኣብ ክልል ትግራይ ንፈለማ ግዜ ብቫይረሰ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም:: እቶም 4 ሰባት ካብ ጅቡቲ መፂኦም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝፀንሑ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ::

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእኸል ተወሺቦም ዝፀንሑ ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ 4 ደቂ ተባዕቲዮ ብቫይረስ ኮረና ከምዝተትሓዙ ሓቢሮም:: እቶም በቲ ቫይረሰ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፅኡ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ::

እቲ ቫይረስ ከምዝሓዞም ዝተረጋገፀ ሓደ ወዲ 33 ዓመት ዘዋሪ መኪና ብተወሳኺ 28: 25: 24 ዝዕድሚኦም ሰለስተ ሰባት ድማ ሓገዝቲ ዘዋሪ መኪና እዮም:: ዛጊድ ኣብ ክልል ትግራይ ን608 ሰባት ምርመራ ከምዝተኻየደሎም ድማ ሓቢሩ:: ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም እቶም 268 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ ኮይኖም እቶም 4 ሰባት ድማ ሎሚ ረቡዕ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ ኣሎ::

ብተወሳኺ ሚንስትር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ 25 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ’ሎ:: ሎሚ ረቡዕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሓደሽቲ ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለው:: እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ምስ ናይ ሚንስትር ጥዕና ዕለታዊ ፀብፃብ ተኻቲቱ ንምንታይ ዘይተገለፀ ንዝብል ካብ ኣመራርሓ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መልሲ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG