ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ትኹንን


መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ትኹንን
መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ትኹንን

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ጀነቫ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ሪፖርት ፖለቲካዊ መበገስታ ዘለዎ ንኻልእ ሕማቕ ዕላማ ዝቐንዐ`ዩ ክብል ጸዊዕዎ

ፍልይቲ መርማሪት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ናጽነትን ናጽነት ሃይማኖትን፡ ደረት ብዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰፊሕ መግሃስቲ ኮኒና።

እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ ኤርትራ፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ጽገናዊ ለውጢ ክተርኢ ተስፋ እንተነበረ``ኳ ኣይተተግበረን ይብል ። እቲ ጸብጻብ፡ ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ መስወርትን ጾታዊ መደልን መስቀይትን ዝርከቦ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝረኸበ`ዩ ዝገልጽ።

ፍልይቲ መርማሪት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝገብሮ በደል ዘሕዝን`ዩ ትብል።

ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሃይማኖቶም ዝስዕቡ፡ ከምኡ`ውን እቶም ሰዓብቲ`ቶም ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም እምነታት ከምዝእሰሩ ትግልጽ ሚስ ክራቨዝ፡ ተኸተልቲ እምነት እስምና`ውን ዒላማ ከምዝኾኑ፡ ከምዝተሓዙን ከምዝእሰሩን ትገልጽ።

ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ለውጢ ዘይምግባራ ብቑዕ ምኽንያት ከምዘይረኸበትሉ ትገልጽ ፍልይቲ መርማሪት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ኤኮኖሚ ንፈጠራ ስራሕ ኣይፈቅድን ወይ ምውሳኽ ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ምኽንያት ብቑዕ ክኸውን ኣይክእልን ትብል።

“ኣብ ኤኮኖሚያዊ ለውጢ ዘይምርኮስ፡ሰበ-ስልጣን ክወስድዎ ዝኽእሉ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ንኣስገዳድ ምልመላ ዝግበር ምግፋፍ መንእሰያት ጠጠው ምባል፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ካብ ወተሃደራዊ ምልመላ ምፍላይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ መግሃስቲ ዝከላኸል ሜላ መቆጻጸሪ ምቕማጥ ዝኣመሰለ ክኸውን ይኽእል።”

ካትረዝ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ኮነ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ ትብል። ሰባት ንመንግስቲ ብምቅዋሞም ብዘይፍርዲ ይእሰሩ ዝበለት ካትረዝ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ን10`ታት ዓመታት ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ወይ ዕረፍቲ ይእሰሩ ኢላ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ንናይ ጀነቫ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ሪፖርት ፖለቲካዊ መበገስታ ዘለዎ ንኻልእ ሕማቕ ዕላማ ዝቐንዐ`ዩ ክብል ጸዊዕዎ።

ኣተሓሒዙ፡ እቲ ናይ ፍልይቲ መርማሪት ሪፖርት፡ ንሃገሩ ብኣሉታዊ ምስሊ ዘቕርብን ንዝኾነ ኣወንታዊ ፍጻመታት ሃገሩ ዘየንጸብርቕን ከምዝኾነ ገሊጹ። .

ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ግጭት ኣብ ሰላም ትርከብ ሃገር`ያ ዝበለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ኤርትራ ብሰንኪ `ቲ ዝሓለፈ ናይ ግጭት እዋን ዘለውዋ ብዙሓት ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ መስርሕ`ያ ትርከብ ዘላ-እዚ ድማ ብሃታሃታ ዝዕረ ኣይኮነን ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG