ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይክል ብሉምበርግ ኣብ ክትዕ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ማእከል ስሕበት ይኸውን


Nevada Democratic Debate WEB
Nevada Democratic Debate WEB

ትማሊ ኣብ ላስ ቨጋስ ኣብ ዝተገብረ ክትዕ ዲሞክራቲክ ሕጹያት፡ ማይክል ብሉምበርግ ማእከል ስሕበት ኔሩ።

እቲ ሓዲሽ ዝተጸንበረ ቢልየነር፡ ብዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ፡ ድሕሪ`ቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ምስተሰርዐ`ዩ ናብ`ዚ ናይ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ክትዕ ንምስታፍ ብቑዕ ኮይኑ።

ሓደ ግዜ ሪፓብሊካን ኮይኑ ዝነበረ ሃብታም ብሎምበርግ፡ ኣብ ናይ ተለቪዥን ጎስጓስ ካብ ገንዘቡ ድሮ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ኣጥፊኡ`ሎ-ንዶናልድ ትራምፕ ንምውድዳር። ማይክ ብሉምበርግ ኣብ ዕድላት ንግዲ ዝተዓወተን ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝነብረን ምዃኑ ብዛዕባ ድሕሪ ባይትኡ ይገልጽ። ኣብ`ቲ ክትዕ ዝነበረት ሰነተር ኤለዛቤት ዋረን ግን እዛ ሃገር ንሃብታም ጥራይ እተገልግል ክትከውን የብላን ትብል።

“ንሓደ ትዕቢተኛ ቢልየነር ብኻልእ እንተተኪእና፡ ዲሞክራት ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ክንወድቕ ኢና። እዛ ሃገር ንነዊሕ እዋን ንሃብታማት ኣገልግሊ`ያ። ነቲ ካልእ ኹሉ ግን ኣብ ድኽነቱ ገዲፋቶ” ።

ማይክ ብሉምበርግ ብወገኑ፡ " ኣነ ካብ ካልእ ዝወረስክዎ ዘይኮነስ ባዕለይ ዝሰራሕክዎ ገንዘብ ንኻልኦት ዝልግስ ሰብ`የ። ነዚ ገንዘብ`ዚ ድማ ነቲ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝርኣናዮም ፕረሲደንትታት እቲ ዝኸፍኤ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምውጋድ ይጥቀመሉ ኣለኹ” ክብል መሊሱ።

ኣብ ግዜ ኦባማ፡ ምኽትል ፕረስደንት ዝነበረ ጆ-ባይደን ብወገኑ፡ ንማይክ ብሉምበርግ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ከንቲባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዝነበሮ ገበናት ናይ ምክልኻል ፖሊሲ ይነቅፍ። እቲ ፖሊሲ ኣብ ጸለምቲ ንዝነብርሉ ከባቢ ዒላማ ዝገብረ ኔሩ ብምባል።

“እቲ ፖሊስ ብሓቂ ጨካን`ዩ-እኳ ደኣ ንኹሉም ሰባት፡ ዘለዎም መሰላት ዝጥሕስ`ዩ”

ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ድምጺ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ክፍለግዝኣት ቨርማንት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ኣዝዩ ናብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝተጸግዐ ክብሉ ካብ ዝወቐስዎ ሓደ ድማ ከንቲባ ሳውዝ-በንድ እንድያና፡ ፒት ቡጅጌጅ`ዩ።

በርኒ ሳንደርስ “ንሕና ክንገብሮ ንፍትን ዘለና ነቶም 45 ዓመታት ሰሪሖም፡ ካብቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ዘእትዎዎ ዝነበሩ ሳንቲም ዘይወሰኹ ሰባት ድምጺ ኢና ክንኮኖም ንደሊ ዘለና” ክብል ይምልስ።

ነዚ ኣንጻር ትራምፕ ዝካየድ ምርጫ ብኸመይ ምስዓር ይክኣል ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ካብ መነሶታት ዝተወከለት ኣሚ ክሎባቸር ትምልስ፡ “ ጓለንስተይቲ ንሕጹይነት ብምምራጽ ንፕረሲደንትነት ዩናይትድ ስቴትስ ክንስዕር ንኽእል ኢና። ንሕና ከም ፓርቲ ዘለና ዓቕሚ እንተርኢና ቀጻልነት ክህልዎ ይኽእል`ዩ።"

ነቫዳ ዝመጽእ ቀዳም፡ ብሓባራ ድምጺ ዝግበር ምርጫ ኣለዋ- ዝቕጽል ሰሉስ ድማ፡ ኣብ ሳውዝ ኮሮላይና ክትዕ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ክኽጽል`ዩ።

XS
SM
MD
LG