ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክጅምሩ እዮም


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብሰኔጋል ክጅምሩ እዮም።እታ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሃገር ኣብቲ ዓብዪ ዘይምርግጋእ የጋጥመሎ ዘሎ ዞባ ውሕስቲ ኮይና ቀፂላ’ላ።ፖምፒዮ ንናይታ ሃገር ውርሻታት ምርግጋእን ዲሞክራስን ክንእዱ ትፅቢት ይግበሩ።

ኣሜሪካን ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ንግዲ፣ኢሚግሬሽንን ዲሞክራስን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብ ከስተማቕራ ፀኒሐን እየን።ኣብ ፀጥታ ዘለወን ሽርክነት ድማ ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ፀኒሑ’ሎ።

ብመሰረት ጉጅለ መፅናዕቲ ሚንስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለታት ኣብ ሃገራት ሳሕል ኣፍሪቃ ዝፍፅምዎ መጥቓዕትታት ካብ 2016 ጀሚሩ ብዕፅፊ ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምስዞም መጥቓዕታት ዝተኣሳሰር ሞት ከምዝወሰኸን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጠር ግጭት ወሲኹ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰኔጋል ግን ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ ሰላማ ዘውሓሰት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ቀፂላ’ላ።ብመሰረት ላዕለዋይ በዓልስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ እታ ሃገር ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብነታዊት ብምዃና ናእድኦም ክልግሱላ ትፅቢት ይግበር ።

ኣሜሪካ ወታሃደራታ ካብቲ ዞባ ክተውፅእ እያ ብዛዕባ ዝብል ፀብፃብ ነቐፌታ ኣስዒቡ’ሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ናይ ዝመደብሩ ማእኸል ዊልሰን ዝተባህለ ናይ ወጻኢ ሃገራት ፖሊሲ ጉጅለ ክኢላታት አባል ዝኾነት ሃና ኣህኩዊቦ እቲ ዑደት ንመርገፂ ኣሜሪካ ከነፅር ተስፋ ኣለዎ ትብል።

“ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘለው ወታሃደራት ምንካይ ብዝምልከት ዝተሓዋወሱ መልእኽትታት ተዋሂቦም።ብኻልእ ወገን ድማ ፖምፒዮ ጠመተ ጥምረት ፀረ ዳዕሽ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ሳሕልን ምዛሩ ዝተውሃበ መግለፂ ሓቢሮም ዝኸዱ መልእኽትታት ኣይኮኑን።”

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሰኔጋልን ጊኒ ቢሳዎን ቱሊናቦ ሙሺንጊ ኣሜሪካ ንድሕነት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ደገፍ ገሊፆም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ኣሜርካ ንናይ ሰኔጋል ተበግሶታት ፀጥታ ብዓሰርተታት ሚሊዮን ዶላር ዝቑጸር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዝሃበት ይግለፁ።

“ሓይልታት ፀጥታ ሰኔጋል ንሃገሮም ክከላኸሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ኣበርኽቶ ክገብሩ ዘኽእሎም ብቕዓት ክህልዎም ኢና ንፍትን ዘለና።ኣብ ሳሕል ሃገራት ኣፍሪቃ ፅምዶ ኣሜሪካ ከምዝቕፅል እየ ከረጋግፅ ዝደሊ፤ኣብዚ ክንፀንሕ ኢና።”

ፖምፒዮ ኣብ ሰኔጋል ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምስፋሕ ምስ መራሕቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ክራኸቡ ትፅቢት ይግብር።

17 ለካቲት 2020 ኣብ ኣንጎላ፣ካብ 17 ክሳብ 19 ለካቲት 2020 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

XS
SM
MD
LG