ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ዋይት ሃውስ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢራን: ሊብያ: ሰሜን ኮርያ: ቬንዝዋላ: የመንን ሶማልን ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ቀይድታት ክግበር ኣዚዞም ።

ናብ ኣመሪካ ንዝመጹ ዝግበር ምሃብ ቪቫ ኢምግራንት ኸአ ንዝተወሰኑ ዜጋታት ኤርትራ፥በርማ: ካርዛጊስታንን ናይጀርያን ደው ክብልን ዜጋታት ሱዳንን: ታንዛንያን ኸአ ኣብ ቪዛ ሎተሪ ከይካፈሉ ዝእግድ መምርሒ ሂቦም ኣለው ። እዚ ሓድሽ ቀይድታት ንበጻሕቲ ሃገርን ንናይ ስራሕ ምብጻሕን ካልኦት ናይ ኢምግራንት ዘይኾነ ምብጻሕን ኣይትንክፍን’ዩ ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ካብ አባላት ካቢነኦምን አማኸርቶምን ብዝቐረበሎም ሓሳባት’ዩ ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ፕረዚደንታዊ አዋጅ ተተካኢ ደሕንነት ሃገር ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ጠቅላሊ ዓቃቢ ህግን ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያን ብዛዕባ’ቶም ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ዜጋታት ወጻ ኢ ንምዕራይ ዝተቀመጠ ዓለምለኸ መምዘንታት ምምእዛዝ ድሕሪ ምምኽካር ናብቶም ፕረዚደንት ጸብጻብ ከምዝቀረበ እቲ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

ደሕንነት እቲ ምምሕዳር ነተን ነዚ መምዘኒታት ዘይምዘዛ ሃገራት ክምእዘዛ ንምግባር ምስኣተን ሓቢሩ ክሰርሕ’ውን’ዩ ኢሉ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ፕረዚደንታዊ አዋጅ 9646 ሃገራት ግቡእ ምሕደራ መንነት ዘይገብራን ሓበሬታ ዘይህባን ነቲ መሰረታዊ ጠለባት ሃገራዊ ደሕንነት ብዛዕባ መንነት አሸበርቲ ገበነኛታት ንምሃብ ዘይተሓባበራ ሃገራት ዜጋታትን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ገደብ ቀይድታትን ክገብረልን’ዩ።

ሓደ ዜጋ ወጻኢ ናብ ኣሜሪካ ክገይሽን ንክኣትውን ረብሓታት ኢምግሬሽን ክረክብ እንተደልዩ ብ ኽበርቲ ሕጊ ሰብ ሞያ ስለያን ኣሜሪካ ንዝወጹ መባእታዊ ዝርዝራት ኩነታት ደሕንነት ከማልእ፤ ከምዘለዎ ኹሉ ዝርድኦን ንሃገራዊ ጸጥታ ኸአ መባእታዊ ጉዳይን’ዩ ኢሉ’ሎ። እቲ ህይወትን ደሕንነትን ኣሜሪካዊያን ምሕላው ዝለዓለ ግዴታ ፕረዚደንት’ዩ ብዝብል ዝወጸ መግለጺ ዋይት ሃውስ አዋጅ 9645 ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ተገምጊሙ ዝጸደቀ ሕጊ’ዩ።

ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ አዋጃት ጸጥታን ጉዕዞን ንሃገራዊ ደሕንነትና አመሓይሹ’ዩ ዝበለ’ቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ዋይት ሃውስ ንደረጃ ዓለምለኸ ምክፋል ሓበሬታ ብዝለዓለ ክብ አቢሉ ንስርዓት ኢምግሬሽን ኣሜሪካ ብዘገርም አሓይሉ እዚ ትእዛዛት ኸአ ሓያልን ወሳኒን ዓወት’ዩ።

XS
SM
MD
LG