ቻይና ቁጽሪ ብኖቨል ኮሮና ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ኣስታት 10,000 ምብፅሖም ኣፍሊጣ።ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና ሚ ፈንግ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቤይጂንግ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ከምዚ ኢሎም።
“ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ካብ ኩለን ክፍለ ግዝኣታት 9,692 ዝተረጋገፁ ሕሙማት በፂሑና’ሎ።1,527 ብከቢድ ዝሓመሙ፣213 ዝሞቱ ክኾኑ ከለው 171 ካብ ሕክምና ዝወፁ እዮም።በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝጥርጠሩ 15,238 እውን ኣለው።”
ካብ ቻይና ወፃኢ 68 ሰባት በቲ ሕማም ምትሓዞም ተረጋጊፁ’ሎ። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ጀኔቭ መግለፂ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝኣኸለና ሪኢና ኢና ኢሎም።
“ኖቨል ኮሮናቫይረስ ዓለምለኸ ህፁፅ ስግኣት ጥዕና ህዝቢ ምዃኑ ይእውጅ ኣለኹ።ምኽንያት ናይዚ ኣዋጅ ኣብ ቻይና ይኸውን ብዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ይፍጠር ብዘሎ ምኽንያት እዩ።”
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ኣዋጅ ኣብ ዓለምለኸ ጉዕዞን ንግድን ዘየድልይ ዕንቅፋት ዝፈጥር ኣይኮነን ኢሎም።ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ግን ናይ ኣሜሪካ ተጎዓዝቲ ናብ ቻይና ከይጉዓዙ ደረጃ ኣርባዕተ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ’ሎ።ናይ ኣሜሪካ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማም ብሰንኪ እቲ ለበዳ ተጎዓዝቲ ናብ ቻይና ዝገብሩዎ ኩሉ ዓይነት ዘየድልይ ጉዕዞ ከወግዱ ኣጠንቒቑ።