ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ዕርቂ ከተማ ድሬዳዋ


ኣብ ድሬዳዋ ካብ ዝሓለፈ ጳጉሜ ጀሚሩ ተፈጢሩ ኣብዝነበረ ግጭት ዝተሳተፉን ዝተጎድኡን ዝሳተፉሉ ሰፊሕን ተኸታታሊን ናይ ዕርቂ መድረኽ ተዳሊዩ።ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን ዝድለዩን ግን እቲ ዕርቂ ኣይምልከትን ተባሂሉ’ሎ።ነቲ ዕርቂ ዘፈፅሙ ዓበይቲ ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ከባቢን መብርሂ ተዋሂቦም ኣሎ።

እዚ ጨንፈር ፌደራል ዓቃቢ ሕጊን ፖሊስን ድሬዳዋ ዘዳለውዎ መድረኽ ዕርቂ ንኽልተ ኣዋርሕ ግጭት ዝተኻየዶም ከባቢታት ናብ ንቡር ንምምላስን ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ድማ ክምለሱ ንምሕጋዝ ዘኽእልን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ሽማግለታት ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባት ትፅቢት ዝግበረሎም መብርሂ ተዋሂቡዎ፤ቃለ ምሓላ እውን ፈፂሞምን ኣለው።

“እቲ ዕርቂ ካብ 15 ክሳብ 25 ታሕሳስ ከምዝካየድ ተሓቢሩ’ሎ።ግጭት ዝነበሮም ኩሎም ከባቢታት ከምዝሳተፉ ሓላፊ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣቶ ረድኤት ግርማ ገሊፆም።

“ንኣተሓባበርቲ ዝርዝር ናይ ምትዕራቕ ስራሕ ስለ ዝውሃብን በብከባቢኡ ንእተመደቡ ኣተሓባበርቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓይቲቲ ዓድን ኣባገዳታትን በዚ ኣገባብ እዮም ክምደቡ። “

እቲ ዕርቂ ፈላማ በብከባቢ፣ቀፂሉ ብደረጃ ጣቢያ፣ስዒቡ ድማ ብደረጃ ምምሕዳር ከምዝካየደ ተሓቢሩ’ሎ።

መስርሕ ክሲ ምስቲ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ገበን ፈፂሞም ዝተኸሰሱን ንመጻኢ’ውን ዝኽሰሱ ተጠርጠርቲ ከምዝቕፅል ኣቶ ረድኤት ግርማ ሓቢሮም ኣለው።ክሳብ ሎሚ 96 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም’ውን ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG