ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ውድባት ኣብ ጉባኤ'ፈደራልሲት ፎረም' ተዓዲምና ግን ክንሳተፍ ኣይመረጽናን ይብሉ


ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ `ፈደራልሲት ፎረም` ተዓዲምና ግንክንሳተፍ ኣይመረጽናን ዝበሉ ሰለስተ ውድባት ነናቶም ምኽንያታት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ናብ`ቲ ጉባኤ ዘይተዓደመ ተቓዋሚ ውዱብ ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ : ሕወሓት ተሓላቒ ፈደራሊዝም ክኸውን ኣይክእልን`ዩ ይብል።

ኣብ ጉባኤ መቐለ፡ ተዓዲምና ግን ኣይተሳተፍናን ዝበሉ ሰለስተ ውድባት፡ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን:ከምኡ`ውን ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ`ዮም።

ፕረዚደንት ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ አቶ አብደራሕማን ማሕዲ፡ እንተተዓደምና`ውን ኣብ`ቲ ጉባኤ ኣይተሳተፍናን ይብል። ይኹን`ምበር ናትና ኣምሲሎም ጽሒፎም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ ናትና ኣይኮነን-ንኻልእ ግዜ ከምኡ ንኸይደግሙ ውዱቕ ጌርናዮ ኣለና ይብል፡-

“ናትና ኣምሲሎም ዝጸሓፍዎን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተበተነን ደብዳቤ፡ ናይ ሓሶት`ዩ። ንሕና ደብዳበ ኣይጸሓፍናን ይኹን`ምበር ሕወሓት ዓዲሙና ኔሩ`ዩ። ነቲ ዕድመ ስለዘይተቐበልናዮ ግን ኣይንሳተፍን ኢና ኢልና ነጊርናዮም ኢና” ድሕሪ ምባል ናብ ጉባኤ መቐለ ክንከይድ ኣይደለናን- ንኸደሉ ምኽንያት`ውን የለን ኢሉ።

“ምስ ሕወሓት ዝነበረና ታሪኽ ዝፍለጥ`ዩ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተቐቲሎምና ካልኦት ብዙሓት ንስቓይን ኸርተትን ተቓሊዖምና`ዮም። እንታይ ክንገብር ኢና ናብ መቐለ ንኸይድስለዚ እቲ ደብዳቤ ሓሶት`ዩ- መርገጽና ብዝፈልጡ ሰባት ኮነ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ`ዩ። ጽባሕ`ውን ብተመሳሳሊ ዘይበልናዮ ከምዝበልናዮ ጌሮም ንኸይጽሕፉ ኢና ንነጽጎ ዘለና።"

ካልእ ኣብ ጉባኤ መቐለ ኣይተሳተፍኩን ዝበለ ውድብ ድማ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ`ዩ።ኣቦ-መንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና፡-ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ ኣይተሳተፍናን ይብል ።

“ዕድመ ተገይሩልና`ዩ። ናብ መቐለ ተጋቢዝና ኢና። ኣብ`ዚ ዙር`ዚ ግን ኣይተሳተፍናን።በዚ ዘሎ ኩነታት ነቲ ዘሎ ፍልልያት ንምስፋሕ ግዚኡ ኮይኑ ስለዘይተሰመዓና፡ከምኡ`ውን ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ከምዝን ስለዝኽእል ክንሳተፍ ኣይመረጽናን። ስለዚ ኣብ`ቲ ጉባኤ ኣይተሳተፍናን- ጸብጻብ`ውን ኣይረኣናን” ።

ካልእ ሳልሳይ ናብ`ቲ ጉባኤ መቐለ ዕድመ ቀሪብሉ ግን ከም ዝነጸጎ ዝገልጽ-ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ኦነግ `ዩ፡

ሚካኤል ቦረንኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ `ዩ። ኣብ ግዜ ሕወሓት ብዛዕባ ዝወረደና ጉድኣት ክሳብ ዘይተዘራረብና ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣኼባ ክንርከብ ትኽክል ኣይኮነን ይብል።-

“ነቲ መጸዋዕታ ዘቕረቦ ሕወሓት ስለዝኾነ፡ ምስ ኦነግ ዘለዎ ርክብ ድማ፡ ኣብ 1992 ኦነግ ካብ ቻርተር ካብ ዝወጻሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኩናት ከምዝነበርና ይፍለጥ`ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ውድብ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱና`ዩ። ህዝብና ከምኡ ጉድኣት በጺሕዎ`ዩ። ነዚ ኩሉ መጀመርያ ተሓታቲ ንኢህወደግ ዝመርሕ ዝነበረ ሕወሓት`ዩ። ስለዚ ኣብ`ቲ ጉዳይ ክሳብ ዘይተዘራረብና ኣብ`ቲ ኣኼባ ክንርከብ ቅኑዕ ኣይኮነን” ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ዓረና ትግራይ፡ ደሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ፡ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲንባን፡ ኣብ`ቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ጉባኤ ሓይልታት ፈደራሊስት ዝተባህለ መደረኽ ኣይተዓደሙን።

ኣብ`ቲ መድረኽ ዝተሓተቱ ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ስለምንታይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ዘይተዓደሙ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ሕገ-መንግስቲ ዘይቅበል ዝኾነ ውድብ ኣይዓደምናን ዝብል ምላሽ ድማ ሂቡ። ብዛዕባ`ዚ ንምኽትል ኣቦ-መንበር ደምክራሲያዊ ምትሕብባር ኣቶ ግደይ ዘራጽየን ሓቲትናዮ ኔርና፡

ህወሓት ዝህቦ ዘሎ ምኽንያት ካብ ጸረ-ደሞክራሲ ተፈጥሩኡ ዝብገስ ሓንካስ ምኽንያት`ዩ ዝብል ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ግደይ ካብ መስረቲ ህወሓት ኣቶ ግደይ ዘርኣጽየን፡ ንሕና ናይ ኢትዮጵያ ኾነ ኽልል ትግራይ ፈደራላዊ ስርዓት ንቃወም ኣይኮናን፡ እኳ ደኣስ ነዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ተገዚእና ንንቀሳቐስ ዘለናን ንክሕሎ ንቃለስ ዘለናን ውድባት ኢና ኢሉ። “ ውሁድ ፓርቲ ምፍጣር ማለት ፈደራላዊ ስርዓት ምቅዋም ማለት ኣይኮነን። ህወሓት ግን ፈደራላዊ ስርዓት ቅድሚ ሎሚ ዘየኽበሮ ሎሚ ከኽብሮ እንተበለ ዘይጠባዩ እዩ።”

እቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ መቐለ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ፡ `ምድሓን ሕገመንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን` ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ መርገጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG