ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን:ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሻድሻይ መዓልቲ ቐጺሉ’ሎ


ኣብ ኢራን ንሰልፈኛታት ፀረ መንግስቲ ንምዕፋን ዘቕንዐ ዓብዪ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሻድሻይ መዓልቲ ቐጺሉ’ሎ።

ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ኔት ብሎክስ (NetBlocks) ዝተባህለ ጉጅለ ተቖፃፃሪ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝለኣኾ ተኸታታሊ ናይቲዊተር መልእኽቲ ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብዝብሃል ​ን113 ስዓታትኣግልግሎት ኢንተርኔት ድሕሪ ምዕፃዋ ኣገልግሎት ሽፋን ካብ 5 ሚእታዊትናብ 10 ሚእታዊት ሎሚ ድማ ናብ 15 ሚእታዊት ከምዝወሰኸቶ ገሊፁ’ሎ።


ሰበስልጣን ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ቀስ ብቐስ ክምለስ ይሰርሑ ከምዘለው መንግስታዊ መሓውራት ዜናኢራን ፀብፂበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG