ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ስምምዕነት ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ዩናይትድ ስቴትስን ባንኪ ዓለምን


ወከልቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያንሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ
ወከልቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያንሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ

ዋሽንግተን ዲሲ፣ ሚኒስትራት ወጻኢ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወከልቶምን ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካን ወካሊ ባንኪ ዓለምን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ 6 ሕዳር 2019 ተራኺቦም ኣለው። እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዝበጽሕዎ ሓባራዊ ምርድዳእ፣ ኣመላልኣን ኣሰራርሓን ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝተማለአ፣ ምትሕብባር፣ ውሁድ፣ ነባራይን ኩሉ ወገን ተረባሒ ዝኾነሉን ስምምዕነት ገይሮም ከምኡውን ምስ መትከላት ውዕል 2015 ተጠዓዒሙ ንክፍጸም ወሲኖም ኣለው።

እቶም ሚኒስትራት ወጻኢ፣ ብደረጃ ሚኒስትራት ማይ ዝምራሕ ኣርባዕተ ቴክኒካዊ መንግስታዊ ኣኼባታት ንክሳለጡ ተሰማሚዖም ኣለው። እቶም ሚኒስቲራት ወሲኾም፣ ባንኪ ዓለምን ዩናይትድ ስቴትስን ነቶም ኣኼባታት ክዕዘቡ ተሰማሚዖም’ዮም። እቶም ሚኒስቲራት፣ ክሳብ 15 ጥሪ 2020 እቶም ውዕላት ንክዛዘሙ፣ ክልተ ኣኼባታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ 9 ታሕሳስ 2019ን ጥሪ 13 2020 ንክራኸቡን ነቲ መስርሕ ንክግምግሙ ወሲኖም’ዮም። ክሳብ 13 ጥሪ 2020 ኣብ ስምምዕነት ክበጽሑ እንተዘይኪኢሎም፣ ዓንቀጽ 10 ውዕል መትከላት 2015 ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኖም።

ሚኒስቲራት ወጻኢ ኣገዳስነት ፈለግ ኣባይ/ናይል ኣብ ምዕባለ ህዝቢታት ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣገዳስነት ዶብ ሰገር ምትሕግጋዝን ናብ ስምምዕነት ምብጻሕ ዘምጸኦ ሓባራዊ ረብሓን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG