ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ብዘካየዶ ወታሃደራዊ ስርሒት ንመራሒ ዳዒሽ ኣቡበከር ኣልባግዳዲ ምሟቱ ተገሊጹ


ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ብዘካየዶ ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት ንመራሒ ዳዒሽ ኣቡ ባከር ኣል ባግዳዲ ምሟቱ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ ናይ ቴሌቭዥን መግለጺ ኣፍሊጦም።

ابوبکر البغدادی
ابوبکر البغدادی

"ትማሊ ምሸት ኣሜሪካ ንቀዳማይ መራሒ ናይ ዓለም ግብረ ሽበራ ንፍርዲ ኣቕሪቡ" ዝበሉ ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ መራሒ ዳዒሽ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕት ምሟቱ ሓቢሮም።

ኣብቲ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ሰለስተ ቆልዑ ምሟቶም ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብቲ ስርሒት ዝተጎድአ ከምዘየለ ፕረ. ትራምፕ ገሊጾም።


ብመሰረት መግለጺ ፕረ.ትራምፕ ብዝሒ ዘለዎም ካብ ተቓለስቲ ኣል ባግዳዲ ምሟቶምን ምትሓዞምን ተፈሊጡ'ሎ።


ሬሳ ኣል ባግዳዲ ድሕሪ'ቲ ስርሒት ብምርመራ ዲኤን ኤን መነንቱ ከምዝተረጋገጸ'ውን ፕረ. ትራምፕ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG