ሃዋሳ —
ከተማ ሃዋሳ ናብቲ ቅድሚ እቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ህውከት ዝነበረ ሰላምዊ ኩነታት ንኽትምለስን ልዕልነት ሕጊ ክኽበርን ዝምልከት ልዝብ ኣብታ ከተማ ተኻይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ምምሕዳር እታ ከተማን ዝተሳተፍሉ እዩ።
“ውሑድ ዘይበሃል ሌባ ኣብ ከተማና ኣሎ።ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ኣስታት 400 ዘረፍቲ ተታሒዞም ኣለው።በብመዓልቱ ዜጋታት ከይንቀሳቐሱ፣ደቂ ኣንስትዮ ተረጋጊአን ከይጉዓዛ፣ቦርስአን፣ሞባይል ስልከን ዝምንጠላሉ ኩነታት’ሎ።ኣብዚ ንሰርሕ ኣለና።ብመዳይ ሕጊ ዘሎ ክፍተት ንርእዮ ኣለና።”