ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ተጀሚሩ


ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ከም መርኣያ ነታ ሃገር ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ደቂ ኣንስትዮ’ታ ሃገር ኩዕሶ እግሪ ክጻወታን ተቐባልነት ክረኽባን ፈቒዱ።

ኣቐዲሙ ሱዳን ኣብ መሪሕነት ወርሒ ሚያዝያ ካብ መዝነቶም ዝተባረሩ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሕጊ ሸሪዓ ትመሓደር ከምዝነበረትን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ድማ ሓደ ካብ ዝተጎሰየ ንጥፈታት ደቂ ኣንስትዮ ምንባሩ ይዝከር።

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢልትሃድን ኢልዲፋን ብሶኑይ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ስታድዮም ከተማ ካርቱም ምግጣመን’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ሶኑይ ዝተጀመረ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ መላእ’ታ ሃገር ንዝተዋጽኣ 21 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ከምዝኸውንን እቲ ጸወታ ብደቂ ኣንስትዮ ደያኑ ዝመራሕ ከምዝኮነ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG