ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንኣባላት ኮሚቴ ስለያ ቤት ምኽሪ ገኒሖም


FILE - President Donald Trump speaks as he meets with sheriffs from across the country on the South Lawn of the White House in Washington, Sept. 26, 2019.
FILE - President Donald Trump speaks as he meets with sheriffs from across the country on the South Lawn of the White House in Washington, Sept. 26, 2019.

ቁጡዕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ነቶም ብሰንኪ ምስ ተጸናጻኒ ዘልሓኾ ሪፖርት መድረኽ ክትዕ ዝኸፈቱ ኣባላት ኮሚቴ ስለያ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ይገንሕዎም ኣለው።

ቅድሚ’ቲ መድረኽ ምስማዕ ምጅማሩ ትሕዝቶ’ቲ ‘ተጸናጻኒ’ ብእንግሊዝኛ ‘ዊስል ብሎወር’ ዘሕለፎ ሓበሬታ ናብ ሚድያታት ተዘርጊሑ’ዩ። እቲ ተጸናጻኒ ከምዝበሎ ‘ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ንስልጣኖም ተጠቒሞም ናይ ወጻኢ መንግስቲ ኣብ’ቲ ንዓመታ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ንክኣቱ ይዕድሙ ኣለው’ ከምዝበሉ ይጠቅስ።

እቲ መረረት ወሲኹ ‘ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ነቲ ይዝረበሉ ዘሎ ኣበር ናብ ህዝቢ መታን ከይወጽእ ክሓብኦ ፈቲኑ’ ኢሉ ይወቅስ።

ካብ ኒውዮርክ ዋዕላ ሕ/ሃ ዝተመለሱ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ‘ንገለ ክፋል’ቲ መድረኽ ምስማዕ ከምዝተኸታተሉን ነቲ መድረኽ ንዘዳለው ዴሞክራሲያዊያን ሕንከት ዘይፈልጡ’ ኢሎም ወቒሶሞም።

“ካልእ ዙር ሃደን’ዩ። ካኣ ጀመሮም! ኣዳም ሺፍን ኣባላቱን’ዮም። ታሪኽ ይምህዙ፣ ሓቢሮም ኮፍ ይብሉን ይመኽሩን። ዘሕፍር’ዩ። ንሃገርና ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር’ዩ። ከምኡ ኮይኑ’ውን ማንም ፕረዚደንት ፈጺምዎ ዘይፈልጥ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ፈጺመ’ለኹ።”

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ኣዳም ሺፍ ብወገኖም ከም’ዚ ኢሎም።

“እቲ ዝቀረበ ሪፖርት ኣዝዩ ዘሰምብድ’ዩ። ተኣማኒ’ውን ኮይኑ’የ ረኺበዮ። እንታይ ክንገብር ከምዝግባእ ንዓይ ንጹር’ዩ። እቲ ተጸናጻኒ ነዚ ሪፖርት’ዚ ናባና ምምጽኡ ከመስግኖ ይደሊ። እዚ ተባዕ ሰብ’ዚ፣ ንኣዝዩ ረዚን ጌጋ’ዩ ኣቃሊዑ።”

ሪፐብሊካዊ ልንድስይ ግራሃም ግና ‘እቲ ካብ ተጸናጻኒ ተረኺቡ ዝባሃል ሓበሬታ’ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉን ንፕረዚደንት’ውን ዘስግእ ኣይኮነን’ ይብሉ።

“ከምዝመስለኒ፣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ካብ ዝገበሮ ዝርርብ ቴለፎን፣ ኡክረይን ንፖለቲካዊ ኣጀንድኡ ክሳብ ዘየማለአት፣ ደገፍ ከቛርጾ’የ ኢሉ ኣፈራሪሑዋ’ዩ’ ኢልካ ምድምዳም ትርጉም ዘይብሉ’ዩ።”

እዚ ዳሕረዋይ ምስሕሓብ ዝጀመረ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ‘ዘይተፈልጠ ተጸናጻኒ ኣብ ውሽጢ ስለያ ኣሜሪካ፣ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ኡክረይን ዝነበሮም ዕላል ቴለፎን ዘሻቕል’ዩ ኢሉ ምስ ኣቃለዐ’ዩ።

XS
SM
MD
LG