ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ 28 ኣባላቱን ደገፍቱን ምእሳሮም ገሊፁ


ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ/ኣብን/ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፍርዲ ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ኣመራርሓ ከይዲ ንምክትታል ዝተረኸቡ ኣስታት 28 ኣባላቱን ደገፍቱን ምእሳሮም ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣብን ኣቶ በለጠ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ “ኣምሓራዊነትን ሓቅን ኣይእሰርን’ ዝብል ቲሸርት ስለዝተኸድኑ 28 ዝኾኑ ኣባላትና መገባእያ ካብ ዝካየደሉ ሜዳ ተታሒዞም ናብ ኣራዳ ወረዳ 9 ፖሊስን ካልእን ተወሲዶም ኣለው” ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ብሰንኪ ዝተኸደኑዎ ክዳን ክእሰሩ ኢሰብኣዊ እዩ ኢሎም ።

ትማሊ ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ሰባት ሎማ ረቡዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሽሕ ብር ከቕርቡ ተሓቲቶም ኣለው።ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG