ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለማ መገርሳ ሚንስተር ምክልኻል፡ ገዱ እንዳርጋቸው ሚስንተር ወጻኢ ኮይኖም ተሸይሞም


አቶ ሽመልስ አብዲሳ አቶ ገዱ አንድአርጋቸው አቶ ለማ መገርሳ
አቶ ሽመልስ አብዲሳ አቶ ገዱ አንድአርጋቸው አቶ ለማ መገርሳ

ቀ/ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ሚንስተር ወጻኢ ጌሩ ክሸሞ ከሎ፡ ንፕረሲደንት ኦሮሚያ ዝነበረ ለማ መገርሳ ድማ ምንስተር ምክልኻል ጌሩ ሸይምዎም። ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረት ዓይሻ መሓመድ ድማ፡ ሚስንተር ህንጻን ልምዓትን ኮይና ተሸይማ`ላ።

ዲረክተር `ተበግሶ-ጉዳይ ኣፍሪቃ` ዝተባህለ ማህበር ኣቶ ክቡር ገና፡ እቶም ቀንዲ ኣንቀሳቐስቲ ለውጢ፡ ናብ ፈደራል መንግስቲ ምምጽኦም፡ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝያዳ ሓይሊ ከምዝኾንዎ ይገልጽ። ንሱ ኣተሓሒዙ፡ እዚ ድሕሪ`ቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ኢህወደግ ዝመጸ ስለዝኾነ፡ ምቅርራብ ክልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ክልል ትግራይ ካብ ክፍፍል ስልጣን ዝያዳ ዝረሓቐሉ ኩነታት ዘርኢ `ዩ ይብል፡-

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክእል፡

XS
SM
MD
LG