ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጸጥታ ስግኣት ንምክልኻል ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጸጥታ ስግኣት ንምክልኻልን ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ምምሕዳርን ጉዳያት ፀጥታን ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ምምሕዳርን ጉዳያት ፀጥታን እቲ ዞባ ኣቶ ቆያቸው ኣያሌው ኣብ ቀረባ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ዞባ ሰሜን ሸዋ ዘጋጠመ ግጭት ህይወት ሰባት ዘጥፍአ ኮይኑ ናብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከይጋፋሕ ዝተዋደደ ስራሓት ቅድመ ምክልኻል ከምዘሎ ገሊፆም።

“እቲ ዞባ ዝተፈላለዩ ብሄርን ብሄረሰባትን ዝነብሩሉ ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተው ሓፈሻዊ ምድላው ጌርና ኣለና።ሕብረተሰብ ናይ ከባቢኡ ሰላም ኣብ ምሕላው ተሓባቢሩ እንታይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ዓብይ ሓይሊ ስለዝኾነ ናይ ከባቢኡ ሰላም ባዕሉ ክሕልው ከምዘለዎ ጠንቂ ሰላም ዝኾኑ ፀገማት ባዕሉ ክእርሞምን ኣለዎ።”

ንሶም ብተወሳኺ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ናይ ዘተ መድረኻት ከምዝተዳለው ገሊፆም።ኣብቲ ዞባ ናይ ስግኣትን ግጭትን ምንጭታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ ሽዱሽተ ወረዳታት ከምዝተፈልዩ’ውን ሓቢሮም።ካብ መድረኻት ምርድዳእ ብተወሳኺ ይውሰዱ ኣለዎ ዝበሉዎም ስጉምታት ድማ ከምዚ ክብሉ ኣረዲኦም።

“ብኻልእ ወገን ኣብቲ ከባቢ ካብ ካልእ ዝመፁ ዘይፈልጡ ፣ካልእ ኣጀንዳ ሒዞም ዝጉዓዙ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብቐረባ እናተኸታተለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓይሊ ስርሑ ክሰርሕ ብግልፂ ተዘራሪብና ኣለና።ዕጡቓት ሓይልታት ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ኣለው።እዚኦም ናብ ከባቢና መፂኦም ሓደጋ ከየውርዱ ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ኣብ ምውፋር ንርከብ።”

ኣቶ ቆያቸው ኣያሌው ወረዳታት ስርሓት ፀጥታ ዝሰርሕ፣ንመናእሰይ ዘተሓባብርን ፀገም ኣብ ዘጋጥሞም ድማ ብቕልጡፍ ዝዋፍር ናይ ባዕለን ኮማንድ ፖስት ከምዝህልወንን ወሲኾም ገሊፆም።ሃይማኖት፣ብሄርን ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን መሰረት ዝገበረ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ክነግስን ደም ክፈስስን ዝገብሩ ኣካላት ኣለው እውን ኢሎም።

“ሙስሊምን ክርስቲያንን ብብዙሕ መልክዑ ተኸኣኢሉ ዝነብርሉ ዞባ እዩ።ሓይልታት ጥፍኣት እዚ ተኸኣኢሉ ዝነብር ሕብረተሰብ ንምፍልላይ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው።ነቲ ከባቢ ንምሕማስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝጀመርናዮም ስረሓት ኣለው።ኣብ ገሊኡ እውን ሕጋዊ ምርመራ ጀሚርና ኣለና።”

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምበልቻ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኮማንደር ያለለት ዘገየ ድማ ፀረ ሰላም ዝበሉዎም ሓይልታት ትካላት ሃይማኖት ዒላማ ገይሮም ናይ ምንቅስቓስ ምልክት ስለዘርኣዩ ኣብቶም ትካላት ጥቡቕ ሓለዋ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ኣጣየን ማጀቴን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ፣ኣካል ምጉዳሉን ንብረት ምዕናውን ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG