ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳርን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ክካየድ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙ ገሊጹ


ኣብ ልዕሊ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ክካየድ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳርን ከባቢኣን ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።ኣቶ በረኸት እውን ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉ ተገሊፅሎም ኣሎ።

ኣቶ በረኸት ሕጂ እውን ምክልባትን ጸርፍን ይገጥሞም ስለዘሎ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ንከኽብረሎም ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም።

ንሶም ወሲኾም ዝቖፀሩዎ ጠበቓ ሕጊ ብዝወረዶ ምፍርራሕ ቀሪቡ ክከራኸረሎም ከምዘይልኣለ ገሊፆም።

ኣቶ ታደሰ ብወገኖም ኣብ ልዕሌናን ቤተሰብናን ዝለዓለ ተፅዕኖ ይፍፀም ስለዘሎ ጉዳይና ካብ ባህርዳር ወፃኢ ይርኣየልና ክብሉ ጠሪዖም።

እቲ መርማሪ ጉጅለ ምስ መሸጣ ማሕበር ኣክስዮን ዳሽን ቢራ ብዝተኣሳሰረ 635 ሰነድን 35 ናይ ሰብሙያ ርእይቶን ንምቕራብ እኹል ግዜ ይውሃበኒ ኢሉ’ሎ።

ቤት ፍርዲ ድሕነት ተጠርጠርቲ ንክሕሎ ቅድሚ ሎሚ ትእዛዝ ምሃቡ ብምዝኽኻር እቲ ጉዳይ ካብ ባህር ዳር ወፃኢ ይርኣይ ዝብል ኣብ ዝቕፅል ክርአ እዩ ኢሉ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስርትን ተጠርጠርቲ ድማ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ብምጥቃም መሰል ዋሕስ ክሓቱ ከምዝኽእሉ እቲ መጋባእያ ንተጠርጠርቲ ገሊፁሎም ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG