ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ንአባላት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ይምርምርዎም ከምዘለው ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰብ ስልጣን ኢጣልያ፡ ንትእዛዝ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ዝጠሓሰት ብናይ ግብረ ሰናይ ትካል ትውነን መርከብ ‘ማረ ሎኒ’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዋን ንአባላት’ታ መርከብ ይምርምርዎም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ብሶኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ዝደሓኑ 49 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ወደብ ላምፓዱሳ እንተበጽሓት’ኳ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ከምዘይቕበልዎም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም እንተኾነ እቶም 12 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 49 ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ኣብ ወደብ ላምፓዱሳ ዝተራገፉ ኽኮኑ ከለው ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ግን ወደባትና ንስደተኛታት ዕጽዋት’ዮም ዝብል ትእዛዝ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ጥሒሶም’ዮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኣባላት’ታ መርከብ ምርመራ የካይዱ ከምዘለው ተገሊጹ።

እቶም ሰበ ስልጣን መጀመርያ ንወናኒን ካፕቴንን’ታ መርከብ ሕቶታት ዘቕረቡ ክኮኑ ከለው ቀጺሎም ሎሚ ረቡዕ ንካልኦት አባላት’ታ መርከብ ብዛዕባ’ቲ ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕን ምሕጋዝ ስደተኛታትን ሕቶታት የቕርቡ ከምዘለው ተፈሊጡ`ሎ።

ወናኒ’ታ መርከብ ቤፐ ካሲያ ነተን መራኽብ ኣብ ማያት ኢጣልያ ከይኣትዋ ዝክልክል ወግዓዊ ጽሑፍ ከርእይዎ ከምዝሓተተ እንተኾነ ዋላ ሓደ ወግዓዊ ወረቐት ከምዘይቐረበሉ ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል ነታ መርከብ ዘንቀሳቅስ `መዲተራንያ’ ዝተባህለ ትካል ግብረሰናይ -ኣሌሳንድራ ስኩርባ “ነቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ንምውሳድ ብሰበስልጣን ሊብያ ኮነ ኢጣልያ ዝወጸ ትእዛዝ የለን” ትብል።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ እታ መርከብ ኣብ ወደባት ሃገሮም ክትዓርፍ ፍቓድ ኣይረኸበትን ክብሉ ከለው ናይታ መርከብ ካፕቴን ግን ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ምክንያትን ኩነታት ባሕሪን እቶም ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ክጸንሑ ኮነ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ብትሪ ክምጉት ምጽንሑ ይገልጽ።

ከንቲባ ላምፓዱሳ ሳልቫቶረ ማተሎ ግን “ብመሰረት ሕጊ ማያት ናይ ኢጣልያ ባንዴራ ሒዛ ትንቀስቀስ መርከብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ክትዓርፍ ኣለዋ” ኢሎም።

እቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ላምፓዱሳ ግዝያዊ መዕቆቢ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ብግብረ ሰናይ ትካላትን ዝወነና መራኽብ ዝድሓኑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይኣትው ድሕሪ ምክልካሎም ቁጽሪ ኢጣልያ ዝኣትው ስደተኛታት ጎዲሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG