ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኢልሃን ዑመር ዋላ’ኳ ይቕሬታ እንተበለት ካብ መዝነታ ክትወርድ ኣለዋ ኢሎም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓዳሽ አባል ቤት ምኽሪ ዝኾነ ኢልሃን ዑመር ካብ መዝነታ ክትወርድ ጸዊዖም ኣለው። ንሶም ነዚ ዝበሉ አባል ፓርቲ ዲሞክራቲክ ዝኾነት ኢልሃን ዑመር ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ዘውጽኣቶ ርእይቶ ኣንጻር ዓሌት ሴም ዝዓለመ’ዩ ድሕሪ ምባሉ’ዩ። ክልቲኦም ፓርቲታት ኣሜሪካ ነቲ ርእይቶ ነጺጎም’ሎ። ንሳ’ውን ይቕሬታ ሓቲታ’ላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ኢልሃም ዑመር እንተወሓደ ካብ ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ክትወጽእ አለዋ ኢሎም ኣለው።

“እቲ ዝበለቶ ኣብ ልባ ዝነበረ’ዩ። እቲ ይቕሬታ ድማ ዕባራ ይቕሬታ’ዩ ማለታ ኮይኑ ዝበለቶ’ውን ኣይኮነን: ቕኑዕ ኣይኮነን። ይመስለኒ ካብ ኣብ ቤት ምኽሪ ዘለዋ መዝነት ክትወርድ ኣለው። እንተወሓደ ድማ ኣብ ኮሚተታት ቤት ምኽሪ ብፍላይ ኣብታ ሓንቲ ኮሚተ ክትህልው ኣይግባእን።”

ኢልሃን ዑመር ሓንቲ ካብተን ቅድሚ ሓሙሸተ ሰሙናት ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ንቤት ምክሪ ኣሜሪካ ዝተሓወሰት ሓደሽቲ አባላት’ያ።ንሳ ብሰንበት ዘውጽኣቶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ንእስራኤል ዝሕግዙ ጉጅለታት፡ ናይ እስራኤልን ኣሜሪካን ናይ ህዝባዊ ጉዳያት ኮሚተ(AIPAC) አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ሃገረ ኣይሁድ ንዝኾነት ሃገር ክድግፉ ብገንዘብ ይግዝኡ ኣለው ይብል።

ንሳ እቲ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል(AIPAC) ብቀጥታ ንወፍሪ ምርጫ ኣሜሪካ ዝሃቦ ገንዘብ እንተዘየለ”ኳ ደገፍ አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ንእስራኤል ብሰንኪ ካብ AIPAC ዝረኽብዎ ፋይናንሳዊ ሓገዝ’ዩ ትብል።

ኢልሃን ካብ ጋዜጠኛ ንዝቐረበላ ሕቶ “ኩሉ ብዛዕባ ፍራንክሊን’ዩ” ኢላ ክትምልስ ከላ ንካብ ካልእ ሰብ መን’ዩ ንኣሜሪካዊያን ፖለቲከኛታት ዝኸፍል ዘሎ ንዝብል ዝቐረበላ ሕቶ ድማ “AIPAC” ክትብል ኣብ ትዊተር መሊሳ።

ድሕሪ ካብ ዲሞክራትን ረፖብሊካን ዝቐረበላ ተሪር ነቐፌታ ኢልሃን ዑመር ሶኑይ ይቕሬታ ሓቲታ’ያ።

ኢልሃን ተሓላቒት BDS ዝተባህለ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማዊያን ዘለዋ ኣተሓሕዛ ከተመሓይሽ ዝጠልብ ምንቅስቃስ ምኳና’ውን ይፍለጥ።

እቲ ናይ ኣሜሪካዊያን ኣይሁድ ኮሚተ ብወገኑ ብዛዕባ’ቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG