ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኣሜሪካ ምስ ናይ ሓሶት ዩኒቨርሲቲታት ብዝተሓሓዝ 138 ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ


ኣብ ኣሜሪካ እናዓበየ ይኸይድ ምስ ዘሎ ኣብ ናይ ሓሶት ዩኒቨርሲቲታት ምክትታል ትምህርቲ ብዝተኣሳሰረ ፖሊስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ን138 ናይ ወፃኢ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን እቲ ማእሰርቲ ከምዝቕፅልን ሰበስልጣን ገሊፆም።

ብፌደራል መንግስቲ ዝቐረበ ክሲ ከምዝሓበሮ ተማሃሮ ድግሪ ከምዘይረኽቡ እናፈለጡ፣ኣብ ኣሜሪካ ግን ብሕጋዊ ኣገባብ ንምስራሕ ክፈቀደሎም ኮነ ኢሎም ብምጭብርባር ቪዛ ተጠርጢሮም ይብል።

እቲ ኽሲ ብምውሳኽ “ናብ መምሃሪ ክፍሊ ኣትዮም ከምዘይምሃሩ፤ድግሪ ንምርካብ ዘኽእሎም ትምህርቲ ከምዘይረኸቡ እናፈለጡ ናይ ተማሃራይ ቪዛ ብምሓዝ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝረኸቡ እዮም’’ ይብል ።

ናይ ኣሜሪካ ሚንስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ 2015 ኣብ ከተማ ዲትሮይት ክፍለ ግዝኣት ሚቺካጋን ‘’ፋርሚንግተን’’ ብዝብል ሽም ናይ ሓሶት ዩኒቨርስቲ ፈጢሩ።እቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ካምፓስ፣ፋካልቲ፤ናይ ኣሜሪካ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣፍልጦ ዘይብሉን ዩኒቨርስቲ ብሓሶት ካብ ዝጣየሽ ልዕሊ 600 ዜጋታት ወፃኢ ከምዝተመዝገቡ መንግስቲ ኣሜሪካ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG