ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኔት ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ትምህርቲ ክቛረፅ ወሲኑ


ሰኔት ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ናይ ፍርቂ ዓመት ትምህርቲ ክቛረፅ ምውሳኑ ናብ ስድርኦም ዝተመልሱ ተማሃሮ ቅሬትኦም ገሊፆም።

ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕረዚዳንት ዶ/ር ሌሜ ጉታ ግን ተማሃሮ ዘለዎም ሕቶታት እናቕረቡ ትምህርቶም ክከታተሉ ብተደጋጋሚ እንተተሓተቱ እውን ክሰምዑና ኣይክኣሉን ኢሎም።

“ብመሰረት ናይ ሰኔት ሕግና ሓደ ተማሃራይ ክከታተሎ ዝግባእ ናይ ትምህርቲ ግዜ ልዕሊ 80 ሚእታዊት እዩ።ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ተማሃሮ 34. 4 ሚእታዊት ግዜ ትምህርቶም ብዘይምክትታሎም ንፈተና ኮፍ ብዘይምባሎም እቲ ሰኔት ናይ ሓደ ሰሚስተር መቕፃዕቲ ወሲኑ’ሎ።”

ዶ/ር ሌሜ ወሲኾም ተማሃሮ ናብ ስድርኦም ምምላሶም ክመኽሩዎም ኣጋጣሚ ክፈጥር እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም። እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ቐፅሪ ብተደጋጋሚ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስነስርዓት ብምትእጉጓሉ ተማሃሮ ንፈተና ዘብቅዖም ግዜ ስለዘየሕለፉ እቲ ሰሚስተር ተዓፂዩ ንቐፃሊ ዳግም ምዝገባ 25ን 26 ለካቲት 2011 ዓ.ም ክዳለው ገሊፁ’ሎ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥሪ 2011 ዓ.ም ኩሎም ተማሃሮ ነቲ ቀፅሪ ለቒቖም ናብ ስድኦም ክምለሱ ብዘውፅኦ ምልክታ መሰረት ካብቲ ቐፅሪ ዝወፀ ተማሃራይ ሕጂ ምስ ስድርኡ ከምዝርከብ ብቅሬታ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG