ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ክብል ኣፍሊጡ


ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክንምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ

ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ: ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ወለጋ ናይ ኣየር ደብዳብ ከምዘካየደ ዝገልጹ ጸብጻባት መሰረት ዘይብሎም ኢዮም ክብል ከሎ ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ ብወገኑ ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተዓጢቖም ንሰላም`ቲ ኸባቢ ክህውኹ ዝጸንሑ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክንምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ።

ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ወለጋ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ሰራዊት ምክልኻል ኣንጻር ዕጡቓት ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ግን መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ምዃኑ ገሊጻ። ናይ ኣየር መጎዓዝያ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ግን ኣይከወለትን።

“ብማሕበራዊ ሚድያ ዝብተን ዘሎ ወረ ሓሶት`ዩ። ብነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ የለን። ኣቑሑትን ወተሃደራትን ብነፈርቲ ናይ ምምልላስ ተግባር ግን ኔሩ`ዩ። ምኽንያቱ ገለ-መተሓላለፊ መንገድታት በዞም ጸረ-ሰላም ዕጡቓት ተዓጽዩ ስለዝነበረ ብሄሊኮተር ናይ ምርግጋእ ስራሕ ክስራሕ ግድን ኔሩ። ኣብ`ቲ ቦታ ዝኸውን ዘሎ ነገር ብጌጋ ናይ ምርዳእ ኩነታት ኣሎ ።”

ቤት-ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ`ውን፡ “መንግስቲ ናይ ሕጊ ላዕላዋይነት ንምኽባር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራብ ንህዝቢ ንምድንጋር ፈተነታት ይግበሩ ኣለዉ” ኢሉ ኔሩ።

ቤት ጽሕፈት ክልል ኦሮምያ ብተወሳኺ ኣብ`ቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ክንድኡ ዝኣክል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምውሳድ ዘድልዮ ኣይኮነን ኢሉ ።

ኣብ`ቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ናይ ኦነግ ሓይልታት፡ ኣብ ብዙሕ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ጸኒሖም`ዮም ዝበለት ወሃቢት-ቃል ቤት-ጽሕፈት ቀ/ሚ ቢልለኔ ስዩም፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከም ምዕጻው ጽርግያታትን ጭውያን ህዝቢ ምፍንቓልን ዝበሉ ገበናት ክፍጽሙ ጸኒሖም`ዮም ኢላ- ጾታዊ ዓመጽ ዝሓውስ ከበድቲ ገበናት ምፍጻሞም ብምጥቃስ ስለዚ ኢላ ንሳ፡ ብሕቶ ህዝብን ክልልን ሰራዊት ምክልኻል ናብ`ቲ ከባቢ ብምእታው ዕዉት ናይ ምርግጋእ ዕማም ፈጺሙ`ሎ ኢላ።

“እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ`ሎ- ንቡር ናብራ ህዝቢ`ውን ናብ ቦትኡ ይምለስ ኣሎ። ባንክታት ዝዘረፉ ሰባት`ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ኣለዉ-ናብ ፍርዲ ክቐርቡ`ዮም። ዕጡቓት ዕጥቆም ክፈትሑ ተገይሩ`ሎ። ስለዚ ኣብ`ዚ ኸባቢ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈላለየ ዕማማት`ዩ ዘፈጽም ዘሎ።”

እቲ ናይ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ናይ ምዕራብ ወለጋ ተልእኩኡ መኣስ ከምዝዛዝም ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተት ወሃቢት-ቃል ቤትጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ -ቢልለኔ ስዩም፡ እቲ ስርሕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም ዝተጀምረን፡ ኩሉ ዝተረፈ ናይ ምርግጋእ ሰራሕ ተጻፊፉ ምስ ተወደኤ ክንሕብር ኢና ክትብል መሊሳ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተዓጢቖም ንሰላም`ቲ ኸባቢ ክህውኹ ዝጸንሑ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ክብል፡ ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ከም ሓበሬታ መንግስታዊ ሚዲያ ፋና፡ እቲ ወተሃደራዊ እዚ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተዓናቒፎም ዝጸንሑ ናይ መንግስትን ናይ ውልቅን ትካላት መብዛሕቲኦም ስራሕ ከምዝጀመሩን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ንግዳውን ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ ዝተወሰነ ጉድኣትን ናይ ባንኪ ዘረፋን እንተነበረ`ኳ፡ ብሚዲያታት ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ዝቐርብ ዘሎ ግን ዝተጋነንን ዝተዛብዐን`ዩ ኢሉ።

ብገበን ዝተታሕዙ ወገናት ድማ፡ ጉዳዮም ብፈደራል ዓቃቢ-ሕጊ ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ`ሎ።

ብዛዕባ`ቶም ተታሒዞም ዝተባህሉ 835 ኣባላት ኦነግ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊድ የለን።

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ። እቶም ብኤልያስ ጋምበላ ዝብሃል ሰብ ዝምርሑ ዝነበሩ ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብ ዞባ ጉጂ ኣንጻር መንግስቲ ይዋግኡ ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ብዓበይቲ ዓዲ ዝተገብረ ናይ ዕርቂ ጻዊዒት፡ ኣብ`ቲ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ተገሊጽ`ሎ።

ብኻልእ ናይ ሎሚ ዜና፡ኣብ ከተማ ኣምቦ ድማ ተማሃሮ፡ ብሽም ኦሮሞ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኔሮም። ብተመሳሳሊ ግን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ሰልፊ ክንወጽእ ምስ በልና ፖሊስ ብዘንብዕ ትኪ ደው ኣቢሉና ኢሎም። ምምሕዳር`ቲ ዩኒቨርሲቲ ግን፡ ሰልፊ ክንወጽእ ኢሉ ዝሓተተና የለን-ዝኸልከልናዮ`ውን የለን ይብል። እቶም ተማሃሮ ዕላማና ንሓደ ውድብ ንምድጋፍ ወይ ነቲ ሓደ ውድብ ንምድጋፍ ዘይኮነስ፡ ኦዴፓ፡ ኮነ ኦነግ፡ ኦፌኮ ካልእ ኩሎም ኦሮሞ`ዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG