ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕልፊ ምስ ትግራይ ካብ'ዚ'ከ ናበይ?


ንዓመታት ዝተፈላለያ ስድራቤታት ተሓቋቒፈን
ንዓመታት ዝተፈላለያ ስድራቤታት ተሓቋቒፈን

ድሕሪ ምኽታም ኣሳሪ ሰነድ ሰላም፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ማዕጾአን ብወገን ዛላምበሳን ራማን ከምኡውን ብወገን ቡሬ-ዓሰብ ንትራፊክ ክፉት ካብ ዝኾን ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ተቖጺሩ'ሎ።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ጻዕሪን ስራሕቲን ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ዝተራእየ ዋሕዚ ሰባትን ማካይንን ልዕሊ ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑ'ሎ። ኣጋይሽ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ'ውን ናብ'ዚ ብርኪ'ዚ ንበጽሕ ኢና ኢሎም ይግምቱ ከምዘይነበሩ ይዛረቡ።

እንተኾነ 'እቲ ርክብ ናብ ንቡር ንምብጻሕ ቀዳማይ ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፣ ንሱ'ውን ጉድይ ምሕንጻጽ ዶብ'ዩ' ይብል ኤርትራዊ ዳንኤል ብርሃነ። ኢትዮጵያ ሃይሉ ከበደ ብወገኑ 'እቲ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ክሳብ ዝፍጸም ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ'ተን ዝተዳመዩለንን ዝተቐብሩለንን ከተማታትን ቁሸታትን ከይተረፈ ልምዓታዊን ሓባራዊን ፕሮጀክታት ሓንጺጽና ንብገሰሉ እዋን'ዩ ዘድልየና' ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:46 0:00

XS
SM
MD
LG