ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ቱርኪ ሬሳ ሱዕዳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ጥቓ እስታንቡል ዝርከብ ዱር ይደልዩ ምህላዎም ገሊጾም


ፖሊስ ቱርኪ ሬሳ ሱዕዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ኣብ ጥቓ እስታንቡል ኣብ ዝርከብ ጫካ/ዱርን ካብታ ከተማ 90 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ገጠር ከባቢን ይደሊ ከምዘሎ ሰበስልጣን ቱርኪ ሎማ ዓረቢ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበስልጣን ቱርኪ ኾሻጊ ዝተቐትለሉ ዝተቐርፀ ድምፂ ንሰበስልጣን ኣሜሪካኣይሃብናን ኢሎም።

ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ነቲ ዝተቐድሐ ድምፂ ሰሚዖም ክብላ ማዕኸናት ዜና ፀብፂበ ነይረን።

ፓምፒዮ ግን ቴፕ ኣይርኣኹን፣ኣይሰማዕኹን ፅሑፍ እውን ኣይንበብኩን ኢሎም።

ናይ ቱርኪ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ውፅኢቱ ንምሉእ ዓለም ከነፍልጥ ኢና ምባሎም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ቱርኪ ገሊፀን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG