ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ: ኩነታት ኣብ ቱርኪ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ "ኣሻቒሉኒ" ኢሎም


ፕረ. ትራምፕ: ኩነታት ኣብ ቱርኪ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ "ኣሻቒሉኒ" ኢሎም
ፕረ. ትራምፕ: ኩነታት ኣብ ቱርኪ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ "ኣሻቒሉኒ" ኢሎም

ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንሱላር ስዑዲ ኣትዩ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ኣዚዩ ኣሻቒሉኒ ኢሎም።

ኣብ ኣመሪካ ብስደት ይነብር ዝነበረ ስዑዳዊ ጋዜጠኛን ፀሓፊ ዓምዲ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስትን ጀማል ኻሾጊ ካብ ዝስወር ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከምዝኾኖን ዛጊት ምልክት ሃለዋቱ ኣይተረኽበን።

ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ኣመሪካነቲ ጋዜጠኛ ክተጠንቅቖዶ ኣይምነበራን ዝብል ሕቶ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ቐሪቡሎም ነይሩ። ንሶም ‘’ኣብ ሃገርና ከይኮነስ ኣብ ቱርኪ እዩ ተፈፂሙ ዘሎ፤ዜጋ እውን ኣይኮነን’’ በሉ።ኣስዕብ ኣቢሎም ‘’ከምዚ ክኸውን ኣይነበሮም፤ከምዚ ክፍፀም እውን ክፍቀድ የብሉን፤ክሳብ መወዳእታ ንምፅራይ ድልየት ኣለና’’ ኢሎም።

ስዑዲ ዓረብ ንኻሾጊ ምቕታላ እንተድኣ ተረጋጊፁ ዩናይትድ ስቴትስ ንሪያድ እትሸጦ ኣፅዋር ደው ክተብሎ እንተኾይና ዝተሓተቱ ፕሬዝዳንት ትራምፕ: ሃገሮም: ንስዑዲ ዓረብ እትሸጦ ናይ 110 ቢሊዮን ዶላር ኣፅዋር ደው ከምዘየብሉዎ ገሊፆም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ: ስዑድ ዓረብ: ወታደራዊ ናውትን ካልኦት ነገራትን ንምሽማት 110 ቢሊዮን ዶላር ይሕንሽሹ ኣለው።እንተድኣ ዘይሸጥናሎም እንታይ ድዮም ክብሉ? ‘ፅቡቕ፤ኣዚና ኢና ነመስግን፣ካብ ሩሲያ ክንዕድግ ኢና’ ወይ ‘’ካብ ቻይና ክንዕድጎ ኢና’ እዮም ክብሉ።እዚ ክኣ ንስራሕን ንኩባኒያታትናን ዝሕግዘና ኣይኮነን።

መርመርቲ ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ከምዝርከቡን ምስ ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን ይሰርሑ ከምዘለውን ፕሬዝዳንት ትራምፕ ንመደበር ተለቪዥን ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቦም።

ወሃቢት ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሄዘር ናውረት: ዋሽንግተን ካብ ስዑዲ ሓቅታት ትደሊ እያ ኢለን።

ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ተዘራሪብና ኣለና።እቶም ኣምባሳደር ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኸዱ ከምዘለው ተረዲአ ኣለኹ።ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ክምለሱ ከለው ሓበሬታ ሒዞም ክመፁ ከም እንፅበ ገሊፅናሎም ኣለና።

ሰኔተራት ዝሓቖፈ ሓደ ዘይሻራዊ ጉጅለ Global Magnitsky Human Rights Accountability Act ብዝብል ሕጊ ኩነታት ናይቲ ጋዜጠኛ ምርመራ ክካየድ ዝሓትት ደብዳቤ ናብ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ልኢኾም ኣለው።ኮንግረስ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ማዕቐብ ክንበርን መሸጣ ኣፅዋር ጠጠው ንምባልን ክደፍኡ እዮም ይብሉ ተንተንቲ።

ትራምፕ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብን መሸጣ ኣፅዋር ብዝምልከት ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣብ ግምት ብምእታውን ዓብይ እገዳ ትፅቢት ከምዘይገብር ኣብ ዲሲ ዝመደብሩ ትካል ዝሰርሕ ተንታኒ ካዲር ኡስቱን ብወገኑ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ. ትራምፕ: ኩነታት ኣብ ቱርኪ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ "ኣሻቒሉኒ" ኢሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

XS
SM
MD
LG