ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንእገዳታት ዘበገሱ ፍፃመታት ድሕሪ ሕጂ ኣይህልውን -ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒዮ ጉተረስ


ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓል ሓቲታ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍፃሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ሕቡራት ሃገራት ክቕፅል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ገሊፆም።

ንሶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ሓርፋፍ ርክብ ተለዊጡ ዝተፈጥረ ኩነታት ምልክት ተስፋ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

“ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተርኣየ ለውጢ ንኽልቲአን ሃገራትን ኣፍሪቃን ጥራሕ ከይኮነስ ንምሉእ ዓለም ዓብይ ናይ ተስፋ ምልክት ከምዝኾነ እኣምን።”

ማዕቐብ ናይ ምልዓል ስልጣን ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምዃኑ ብምግላፅ ንእገዳታት ዘበገሱ ፍፃመታት ድሕሪ ሕጂ ኣይህልውን ዝብል እምነት ስለዘለኒ፣ንእገዳ ዝደረኹ ምኽንያታት እንድሕር ዘይሃሊዮም ድማ ግዚኦም ክሓልፍ ተፈጥሮኣዊ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክልዓል ኢትዮጵያ ብወግዒ ሓቲታ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ ኤርትራ መገሽኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለሱ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ድሕሪ ምርኻቦም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ከልዕሎ ነቶም ዋና ፀሓፊ ወግዓዊ ሕቶ ምቕራቦም ፋና ብሮድካስቲን ኮርፐሬት ፀብፂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG