ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክዕወት ተካይዶ ጻዕሪ ከምትቕጽል ቀ/ሚ አብይ ገሊጾም


ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሰላም ክመፁ እትገብሮ ፃዕሪ ከም እተሐይል ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን መራሒ ሳልቫ ኪር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ገሊፆም።

ንናይ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሎሚ ረቡዕ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘዘራርቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድ፡ ኢትዮጵያ ናይ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምስጓም ክትሰርሕ እያ ኢሎም።ኢትዮጵያ ብኣቦ ወንበርነት እትመርሖ ኢጋድ ኣቢላ ከምትሰርሕን ኢጋድ እውን ተርኡ ከዕዝዝ ምኳኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድ ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ አዲስ አበባ-ኢትዮጵያ
ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ አዲስ አበባ-ኢትዮጵያ

“ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ ናይ መሪሕነት ተርኡ ክፃወት ኣለዎ።”

ኢትዮጵያ ሃገርና እውን እያ ዝበሉ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ከምዚ ኢሎም።

“ኢትዮጵያ ደጋፊት ደቡብ ሱዳን ጥራሕ ዘይኮነስት ኢትዮጵያ ሃገርና እያ።”

ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG