ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸሃይቱ በራኺ ትማሊ ግንቦት 24፡ ሻለቃ ግርማይ ሓድጉ ቅድሚ ትማሊ ዓሪፎም


tsehaytu and girmay
tsehaytu and girmay

ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ሻለቃ ግርማይ ሓድጉ፡ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ናብ`ዚ ናብ ኣመሪካ ናብ ደቁ ምስ መጸ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ዓሪፉ`ሎ። ኣብ ክቡር ዘበኛ እናሀለወ ከም በዓል ጥላሁን ገሰሰ ዝበሉ ዓበይቲ ደረፍቲ ዘፍረየ ግርማይ ሓድጉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ኤርትራ ብምኻድ ንሃገራዊ ወተሃደራዊ ማርሽ ኤርትራ ኣብ ምምራሕን ምስትምሃርን ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ።

ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝፈልጥዎ ሰባት ብዛዕብኡ ርእይትኦም ኣካፊሎም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ኣደ ሙዚቃ ኤርትራ ካብ ዝብሃላ ነባራት ደራፊትን ሃራሚት ክራርን ጸሃይቱ በራኺ ትማሊ ሓሙስ ግንቦት 24 ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኖተርዳም ሆላንድ ዓሪፋ-ስነ-ስርዓት ቀብራ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም`ዩ።

tsehaytu and girmay
tsehaytu and girmay

ብዛዕባ ክልቲኦምን ብዛዕባ ዝኽሪ ነባር ድምጻዊ ገብረጻድቕ ወልደሃንስን ዝተዳለወ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:34 0:00

XS
SM
MD
LG