ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቭላድሚር ፑቲን ንመበል ራብዓይ ጊዜ ፕረዚደንት ሩስያ ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ካብ 1999 ዓ.ም ጀሚሮም ከም ቀዳማይ ሚንስትር ወይ ብመዝነት ፕረዚደንት ንሩስያ ክመርሑ ዝጸንሑ ቭላድሚር ፒቲን ንመበል ራብዓይ ጊዜ ፕረዚደንት ሩስያ ብምዃን ሎሚ ሶኑይ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ቭላድሚር ፑቲን “ ንሕጂ ኮነ ንመጻኢ ዝከአል ኩሉ ንሩስያ ብምግባር ሓላፍነተይን ናይ ህይወተይ ዒላማ ጌረ’የ ዝሓስቦ” ኢሎም።

ቭላድሚር ፑቲን ዳግማይ ፕረዚደንት ሩስያ ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈጺሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:01 0:00

ብመሰረት ሕጊ መንግስቲ’ታ ሃገር ሓደ መራሒ ንክልተ ጊዜ ብተኸታታሊ ኣብ መሪሕነት ክጸንሕ ኣይክእልን ስለዚ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ’ታ ሃገር ክሳተፉ ኣይኽእሉን እዮም።

ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ መሪሕነት ንክረምያ ካብ ዩክሬም ብምውሳድ ምስ ሩስያ ዝሓወሱ ኽኮኑ ከለው ኣብ ኹናት ሶርያ ድማ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ብምድጋፍ ሃገሮም ብወታሃደራዊ መዳይ ትሳተፍ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ሩስያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ 77 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ዝተዓወቱ ክኮኑ ከለው ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ግን ህዝቢ ዝሓይሽ ተወዳዳሪ ከምዘይረኸበን፡ እቲ ምርጫ ተጭበርቢሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ።

ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ክልተ መዓልታት ድሕሪ’ቲ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝተኻየደ ተቓውሞ’ዩ።

ተቓውሞ ኣብ ሩስያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:51 0:00

መራሒ ተቓወምቲ ኣሌክሲ ናቪላናይን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሞስኮን ካልኦት 90 ከተማታት’ታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብዙሓት ምእሳሮም ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG