ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባርባራ ቡሽ፡ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ዓሪፈን


ባርባራ ቡሽ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ትማሊ ኣብ መበል 92 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።

ኣፈኛ ስድራ ቤት ንሞት ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ባርባራ ቡሽ ዘረጋገጸ ኽከውን ከሎ ምክንያት ሞት ግን ኣይገለጸን።

ባርባራ ቡሽ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 1945 ዝተመርዓው ክኾኑ ኸለው ክሳብ ሕጂ ካብ ዘለው ፐረዚደንትታት ኣሜሪካ ዝነውሓ ዕድመ ዘለዎ መርዓ ከምዝኾነ'ውን ይግለጽ።

ባርባራ ቡሽ እታ ካልኣይቲ ወዳ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ክኸውን ዝተመረጸ ቀዳመይቲ እመቤት እየን።

ኣብ 1994 ዝጸሓፍኦ ናይ ውልቀን መዝገብ ነቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝነበረ ህይወተን መዓልታዊ ዘገርም ህይወት እዩ ክብላ ገሊጸነኦ ኔረን።

ባርባራ ቡሽ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት በዓል ቤተን ጣልቃ ከምዘይኣትዋ ንሶም'ውን ኣብ ምምሕዳር ገዛ ጣልቃ ከምዘይኣትው ኣብ ሓደ እዋን ምግላጸን ይዝከር።

ባርባራ ቡሽ ብግልጹ ኣዘራርባን ዘይንሳ ምምሳል ብዘይምፍታና ዝፍለጣ ቀዳመይቲ እመቤት ኣሜሪካ ነበር እየን።

ኣብዚኣ'ሞ

ተጋሩ ነበርቲ ከባቢ ዶብ ድልየት ሰላም ንምግላፅ’ዩ ብዝብል ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ምስጋር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG