ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፥ ፌስቡክ ኣብ ጉዳይ ምምሕልላፍን ስትረትን ሰነድ ተጠቀምቱ ለውጥታት ክገብር ጠሊቦም


መስራቲ ማሕበራቲ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ
መስራቲ ማሕበራቲ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንዋና ፈጻሚ ፌስቡክን መስራትን ፌስቡክ ማርክ ዙከንበርክ ኣብ ጉዳይ ግሉጽነትን ስትረትን ሰነድ ተጠቀምቱ ዘለዎም ሕቶታትን ስክፍታታትን ጸዊዖም ኣብ ዘቕረቡሉ ፡ ፌስቡክ ለውጥታት ክገብር ጠሊቦም።

እቶም ኣባላት ባይቶ ብካምብርጅ ኣነለቲካ ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዕሊ ዝተዘርግሐን ሓበሬታ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ብኸመይ ብዘይ ኣፍልጦኦም ናብ ካልኦት ከምዝመሓላለፍን ዝገልጽ ጽሑፍ ድሕሪ ምውጽኡዮም: ንካልኣይ ግዜ ንዋና ፈጻሚ ስራሕን መስራትን ፌስቡክ ማርክ ዙከንበርግ ሕቶታቶምን ስክፍታታቶምን ትማሊ ሰሉስ ማዝያ 10 ኣቕሪቦምሉ።


ዙከርበርግ: ኣብቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ባይቶ ዝቐረበሉን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ " ጌጋ ናተይ እዩ። ነዚ ድማ ይቕረታ እሓታት" ኢሉ ነቲ ዝተፈጥረ ጌጋ ተኣሚኑን ሓላፍነት ድማ ወሲዱን።

ብሕጂ ኣብ ዝገብሮ ስራሕ ድማ ምስ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ኣመሪካ ብምስራሕ ኣራሚ ስራሕ ንምስራሕን መቆጻጸሪ ሕጊ ክተኣታቶም ከምዝተሓጋገዝ ማርክ ዙከርበርግ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG