ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል: ዘይርጉጽ ኩነታት መጻኢ ኣስታት 40 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት


እስራኤል መስርሕ ምጥራዝ ንምጅማር ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ - መጻኢ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዘለው ኣስታት 40 ሽሕ ዝበዝሑ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዘይርጉጽ ኩነታት ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ዝተገላበጠ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምዃኑ ድማ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እሰራኤል ፈለማ ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታት ንጉዳይ እዚኦም ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ ድሕሪ ምሕባሩ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እቲ ውሳነ ከምዝቐየሮ'ዩ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፡ ኣስታት 16 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክጣየሱን እቶም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ድማ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ክፍቀደሎምን እዩ ዝብል ነይሩ። ይኹንምበር ኣባላት የማናውያን ልፍንታዊ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ብምቅዋምን ኩሎም እቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጹ ከምዘለዎም ብምጥላቦም እቲ ስምምዕ ክትግበር ዘይከኣለ።

29 ዝዕድመኡ ኤርትራዊ ተኽሊት ሚካኤል ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣበይ ሕጋዊ ስራሕ ከምዝሰርሕ ከምዘይፈልጥ፡ ቀዋሚ መንበሪ ቦታ ከምዘይብሉን ክጥረዝ ወይድማ ክእሰር ከምዝኽእልዩ ዝጠቅስ።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እዮም ዝብል መጎተ ከምዘይቅበሎን ፡ ብቑጠባዊ ጸገም ናብ እስራኤል ዝመጹ ገይሩዩ ዘቕርቦም። ገለ እስራኤላውያን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ንዝርአ ገበንን ድኽነትን ብቐጥታ ምስ እዞም ኣፍሪቃውያን ብምትእስሳር ነቲ ኣይሁዳዊ ሕጊታ ሃገር ይብርዝዎ ምህላዎም ብምግላጽ ስግኣቶም ይሕብሩ።

እስራኤላዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ኣቪጎል ፈልድማን: ፖሊሲ መንግስቲ እሰራኤል ኣብዚ ጉዳይ ሕጋውን ሞራላውን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይገልጽ። ንሱ ነቶም ስደተኛታት ህይወቶም ውሕስነት ሓደጋ ናብ ዝኣትወሉ ቦታ ምምላስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ ድማ ይብል። ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ኣቪጎል ፈልድማን ብተወሳኺ ኣይሁዳውያን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ዝተኣወጀ ህልቂት: ስደተኛታት ምንባሮም ብምጥቃስ: እስራኤል ነዞም ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሃብ ስነምግባራዊ ሓላፍነት ኣለዋ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG