ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ግንባር ሓርነር ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘጥቅዐ ተገሊጹ


ተጋደልቲ ግንባር ሓርነር ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘጥቅዑ ተገሊጹ
ተጋደልቲ ግንባር ሓርነር ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘጥቅዑ ተገሊጹ

ኣብ ክልተ ቦታታት ብዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 23 ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሞቱን፡ ብዙሓት ከምዝቖሰሉን እቶም ምንጭታት ንቪኦኤ ሓቢሮም ኣለዉ።

ነበርትን ሰበ-ስልጣንን ከምዝሓበርዎ እንተኾይኑ፡ ተጋደልቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክልተ-ቦታታት ማለት ኣብ ጊዳሚን በጊን ዝተባህላ ኣብ ዞባ ቀለም ወለጋ ዝርከባ ወረዳታት`ዮም መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ንድሕነቱ ክብል ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሓደ በዓል-ስልጣን ምምሕዳር ገዳሚ ከምዝሓበሮ፡ ዕጡቓት ኦሮሞ መጀመርያ ኣብ ገዳሚ ንእትርከብ ማርካ ትብሃል ዓዲ ዘጥቅዑ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ በጊ ወረዳ፡ ኣብ መንጎ ባምቢስን ዳቡስን ዝርከብ ቦታ ከምዘጥቅዑ ይገልጽ።

ኣብ ክልቲኡ መጥቃዕትታት ልዕሊ 23 ወተሃደራት መንግስቲ ሞይቶም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም ይብሉ ነበርትን ሰበ-ስልጣንን። “መጀመርያ ብክልተ ኦራል ዝዓይነተን መካይን ተጻዒኖም ክኸዱ ኸለዉ፡ ብቦምባ ተሃሪመን፡ ሓንቲ ተገልቢጣ ብዙሓት ሞይቶም፡ ካልአይቲ ጎማኣ ተሃሪማ ኣምሊጣ፡ እዚ ሰንበት ዝተፈጸመ`ዩ”

ካልእ ንድሕነቱ ክብል ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ በዓል-ስልጣን መንግስቲ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ከገልጺ ከሎ፡ “ኣብ ወረዳ ጊዳሚ፡ ቀበሌ ሶምቦ ኣራራ፡ መርጫ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ወተሃደራት ወያነን ውግእ ገጢሞም ኔሮም። ወተሃደራት ወያነ ካብ ጊዳሚ ናብ ቤጊ እናኸዱ ኸለዉ፡ መርጫ ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓንቲ መኪናኦም ምሉእ ብምሉእ ተሃሪማ፡ ድሕሪኡ ካልአይቲ`ውን ምስ መጸት ኣብ ልዕሊኣ`ውን ስጉምቲ ተወሲዱ -ብዙሓት ተጎዲኦምን ሞይቶምን” ይብል።

ብኻልእ ወገን፡ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ ሰራዊት ጽዒና ትሓልፍ ንዝነበረት መኪና ይርእዩ ንዝነበሩ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ተኩሶም ከምዝቐተልዎም፡ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG