ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ኩባንያ ኢማራት ዓረብን፡ ንወደብ በርበራ ብዋንነት ኣክስዮን ከመሓድርኦ ኩንትራት ተሰማሚዐን`የን።
ፓርላማ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ ብዘይ ናቱ ፍቓድ ዝግበር ስምምዕ ወደብ፡ ንልኡላውነት ምጥሓስ`ዩ ብዝብል ነቲ ውዕል ነጺግዎ`ሎ።
ዲፒ ዎርልድ ዝብሃል ናይ ኢማራት ዓረብ ኩባንያ ድማ ዝኾነ ስራሕ ከየሳልጥ ኣተሓሳሲብዎ`ሎ።
ምምሕዳር ሶማሊላንድ ግን፡ ነቲ ብሞቓዲሾ ዝተገብረ ምንጻግ ከምዘይቅበሎ ብምግላጽ፡ ከም ኩናት ምእዋጅ ኢና ንርእዮ ኢሉ`ሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደብ`ታ ኣብ ሶማሊላንድ ትርከብ ወደብ በርበራ ዝምልከት ምስ`ታ ርእሰ-ምምሕዳርን፡ ምስ ናይ ዶባይ ኩባንያን፡ 19% ብርኪ ክውንን ተፈራሪሙ`ዩ።