ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሃገራዊ ስምምዕን ብመሰጋገሪ መንግስትን`ምበር ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘላቒ ፍታሕ ኣይርከብን`ዩ ኢሎም ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ


የኢትዮጵያ ፓርላማ
የኢትዮጵያ ፓርላማ

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸም ዘሎ ቕትለት ደው ክብል መጸዋዕታ ዘቕረቡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፡ ዘላቒ ፍታሕ ብሃገራዊ ስምምዕን መሰጋገሪ መንግስትን`ምበር ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣይመጽእን`ዩ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት ኦሮሚያን ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባን ዝርከባ ኣብያተ-ንግዲ፡ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንምቅዋም ከምዝተዓጸዋ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብስእሊ ኣደጊፉ ጸብጺቡ`ሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሻሸመኔ፡ መኢሶንን ነጆን ድማ፡ ኣብያተ-ንግዲ ዕጽዋት ምዃኖምን ብሓይልታት ጸጥታ ንክኽፈቱ ከምዝግደዱን ተዛሪቦም ኣለዉ።

ንህጹጽ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ንምትግባር ዝቖመ ኮማንድ ፖስት፡ ዕላምኡ ኣብ`ታ ሃገር ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋእን ህውከትን ደው ኣቢሉ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ`ዩ ይብል።

መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽምስረት ዝቐርቡ ዘለዉ ሕቶታት ብዝምልከት፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብድልየት ህዝቢ ዝተመርጸ ስለዝኾነ፡ ከምኡ ዝበለ ሕቶ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ምፍላጡ ይዝከር።

ብኻልእ ዜና፡ ትማሊ ኣብ ዞባ-ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ፡ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማን ካብ ገዛኻ ናይ ዘይምውጻእ ኣድማን ከምዝነበረ ነበርቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም። ሕቶ ልምዓት ብምልዓሎም ብዝተፈጥረ ህውከት ንምትዕራቕ ብዓበይቲ ዓዲ ዝተመዘዙ መንእሰያት፡ ዝእሰሩን ዝስደዱን ኮይኖም ይብሉ እቶም ነበርቲ።

ብዛዕባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣገባብ ኣጸዳድቓ ህጹጽ ኣዋጅ ርእይትኦም ዝሃቡ ክልተ ሰብ-ሞያ ሕጊ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነቲ ዝተገብረ ናይ ቁጽሪ ጌጋ ኣሪሙ ከቕርቦ ዝግባእ ባዕሉ እቲ ፓርላማ`ምበር፡ ሓደ ሓላፊ ኮምንኬሽን`የ ዝብል ወልቀሰብ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ቁጽሪ ድምጺ ፓርላም ከተዓራሪ ኣይክእልን`ዩ፡ ስለዚ እቲ ኣዋጅ ሕጋውነት የብሉን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:08 0:00

XS
SM
MD
LG