ካብ 1980ታት ክሳብ ሕጂ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማ(ትያትር) ብንጥፈት ኣብ ምስራሕ ዝርከብ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዕብየት ስነ-ጥበብ ኤርትራ ዓቢ ኣስትዋጽኦ ዝገበሩ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛ`ዩ፡ ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ ካዳ)።
ኤፍረም ካሕሳይ፡ ኣብዚ ብምውሳእ ዝጀመሮ ናይ 30 ዓመታት ናይ ስነ-ጥበብ ሂወቱ ፡ ካብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሊድስ ዩኒቨርሲቲ ብትያትር ኣርትስ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ ንዝነበሮ ተመኩሮ ብትምህርቲ ከማዕብሎ ዝኽኣለ`ዩ።
ሚለና።ሰጊድ፡ሞባእን ኦቴሎ ዝብላ ስርሓት ወሲካ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ናይ መድረኽ ድራማታትን ፊልምታትን ደሪሱን ኣልዩን`ዩ። ጎኒ ጎኒ`ዚ`ውን ንዝተፈላለዩ ደረፍቲ ግጥምን ዜማን ሰሪሑሎም`ዩ።
ኤፍሬም ወዲ ካዳ: ኣብ ትሕቲ ጽላል ባህላዊ ጎዳያት ንዝተፈላለዩ ሓደስቲ መንእሰያት ኣብ ምጽሓፍ፡ምእላይን ምውሳእን ናይ መድረኽ ድራማን ፊልምን ዘተኮረ ስልጠና ሂቡን ኣብ ምሃብን ይርከብ። ምስ ብርሃነ በርሀ ኣዋጊዑ`ሎ፡